Friday , May 17 2024

ስካትቨርከት ፋይናንሳዊ ገበናት ንምዕጋት ሚስጥራዊ ቊጽጽር የተግብር ኣሎ ተባሂሉ።

ሽወደናዊ ኤጀንሲ ቀረጽ ስካትቨርከት ከምኒ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብን ጒጅለኣዊ ራስያን ንዝመሰሉ ፋይናንሳዊ ገበናት ንምቊጽጻር ሓድሽ ኣገባብ ምብጋሱ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ቀረባ እዋን ንጥርጡራት ብሚስጥር ንምምርማር ዘኽእል ሓድሽ ሕጊ ምትሕልላፉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ።

ብተወሳኺ እዚ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ትግባረ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ገበናት ፋይናንስ ንምክልኻል ንበዓል መዚ ቀረጽ ሽወደን ፍሉይ ስልጣን ከም ዝሃቦ ድማ ተፈሊጡ’ሎ። ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሌና ኣንደርሰን “ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ እቲ ቀንዲ ፋይናንሳዊ ገበን እዩ።” ኢላ’ላ። ብሰንኪ ኣታሕዛ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ፋይናንስ እተተሓሓዘ ገበናት ብናህሪ ምውሳኹ ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com