Thursday , May 16 2024

ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ገጽ ዝሽፍን መቕንዓት ምጥቃም ኣጊዳ

51.2% ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ፡ ነዚ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ገጽ ዝሽፍን መቕንዓት ዘይሕጋዊ ዝገብር እማመ ደገፎም ሂቦም ኣለዉ ክብል ኣልጀዚራ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። በዚ ድማ ብጸቢብ ዝበዝሐ ድምጺ እቲ እማመ ጸዲቑ’ሎ።

ብርክት ዝበሉ ካልኦት፡ ነቲ እማመ ጽልኢ እስልምናን ደቀንስትዮን ዘበገሶ እዩ ክብሉ ተቓውሞኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ብኣሃዛት እንክቕመጥ 1,426,992 ነቲ እማመ ክድግፍዎ እንከለዉ 1,359,621 ድማ ተቓዊሞሞ እዮም። ካብቲ ክመርጽ ብቚዕ ዝኾነ ቊጽሪ ዜጋታት 50.8% ከም እተረኽበ እውን ተገሊጹ።

ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ገጽ ዝሽፍን መቕንዓት ከም ዝኣገዳ ዘመልክተ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ኣዝዩ ሳሕቲ እኳ እንተኾነ፡ እቲ እማመ ምቕራቡ ተገሊጹ። እቲ እማመ ቡርቃ ወይ ኒቃብ ዝብላ ቃላት ዘይተጠቕመ ክንሱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ነዘን ኣልባሳት ከም እተኣገዳ ጸብጺበን ኣለዋ።

ኣብ መላእ ከተማታት ስዊትዘርላንድ “ሕሉፋት እስላማውነት ነውግዝ!” ዝብሉ ጽሑፋት ምስ ምሉእ ገጽ ዝሽፍን መቕንዓት እተኸድነት ጓል ኣንስተይቲ ዘርኢ ስእልታት ተዘርጊሑ ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ። ነዚ ዝጻረሩ ካልኦት ፖስተራት ድማ “ተራን ዘይረብሕን ጽልኢ እስልምና ካብ ምዝርጋሕ ንቈጠብ” ዝብሉ ጽሑፋት ዘርጊሖም እዮም።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብ ኣብያተ መግቢ፡ ስታድዬም፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ይዂን ጐደናታት ምሉእ ገጽ ዝሽፍን መቕንዓት ምኽዳን እጉድ ክኸውን እዩ።

እዚ ኣገባብ ኣካዳድና፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ቦታታት ወይ ብምኽንያት ጥዕና ጥራይ ክፍቀድ ምዃኑን ዝሕብር ሕጋዊ ጉዳያት ኣብ ምስላጥ ከም ዝርከቡን ብተወሳኺ ተገሊጹ። ኣመንቲ ምስልምና ናይቲ ሃገር፡ ነዚ ሓድሽ ሕጊ ብምኹናን ክብድህዎ ድሉዋት ምህላዎም ገሊጾም ኣለዉ። “ንደቀንስትዮ እንታይ ክኽደና ከም ዘለወን ብሕጊ ምውሳን ምሕራር ዘይኮነ ንድሕሪት ምምላስ እዩ” ክብል ውድብ ፈደሬሽን እስላም ስዊትዘላንድ ድሕሪ ምቅዋም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ክብሪታት እታ ሃገር ዘሎ ክትዓት እናደኸየ መጺኡ ክብል ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com