Friday , May 17 2024

ስደተኛታት ንምሕጋዝ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፈየ ሽወደናዊ ጥሮተኛ

ላርሽ ሎራን ኣንደርሶን ዝተባህለ ኣብ ባንክሪድ (Bankeryd) ዝነብር ሽወደናዊ ጥሮተኛ፡ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ፡ ግዚኡን ጉልበቱን ዘወፊ ዘሎ እዩ። ኣብ ዓመተ 2015 ንዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት ዝሓገዘ ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሓንቲ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት ናብቲ ሓደጋ ከጓንፋ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፡ ሃገረ ኣፍጋኒስታን፡ ንኸይትምለስ ብምሉእ ዓቕሙ ዝቃለስ ዘሎ እዩ ክብል ተለቪዥን ሽወደን ኣቃሊሑ።

እዛ ኣብ ቫርናሞ (Varnamo) እትርከብ ኡዝበኪስታናዊት ስድራ ቤት፡ ንኣፍጋኒስታን ንኸይትምለስ፡ ሰነዳት ብምቕራብን ደብዳቤታት ብምልእኣኽን ብተደጋጋሚ ምስ ኢሚግሬሽን ከምዝተራኸበን፡ እዛ ስድራ ቤት ንኣፍጋኒስታን እንተድኣ ተመሊሳ ከቢድ ሓደጋ ከጓንፋ ከምዝኽእል ንምእማን፡ ሓደ ጠበቓ፡ ከም ዝቖጸረ ተፈሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ግን፡ ነቲ ዝገበሮ ጻዕርታት ዕሽሽ ብምባል፡ ነታ ስድራ ቤት ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ከልኪልዋ። ዝኾነት ቆልዓ ዝሓዘት ስድራ ቤት ናብ ኣፍጋኒስታን ክትምለስ ተኽእሎታት ኣለዋ ይብል’ቲ ቤት ጽሕፈት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com