Friday , May 17 2024
Foto: Håkon Mosvold Larsen / NTB

ሱልበሪ፡ “ኖርወይ ንድሕነት ፊንላንድ ኣበርክቶ ክትገብር ኣለዋ”

ኔቶ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዘስፋሕፍሓሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ተጻብኦን ወራርን ሩስያ እዩ፡ ክትብል ኤርና ሱልበሪ ትማል ሓሙስ ገሊጻ። ክሳብ ክልቲአን ሃገራት፡ ብወግዒ ናብቲ ወተሃደራዊ ሽርክነት ዝጽንበራ፡ ኖርወይ ን ፊንላንድ ድሕነታዊ ኣበርክቶኣ ከተዕዝዝ ይግባኣ እዩ ክትብል ተላብያ።

“ፊንላንድ፡ ሕጂ ናብ ኔቶ ክትጽንበር እትደልየሉ ዘላ ምኽንያት፡ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሩስያ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ተግባራታ፡ NATO ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ንኸስፋሕፍሕ ምኽንያት ትኸውን ኣላ” ክትብል መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኤርና ሶልበርግ ን ማዕከን ዜና NTB ሓቢራ’ላ። “ፊንላንድ ኣባልነት እዚ ሽርክነት እትሓተሉ ግዜን፡ ወግዓዊ ምጽንባራን፡ ብዝተኻእለ መጠን ዝሓጸረ ክኸውን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ግዜዚ፡ ኖርወይ ንፊንላንድ ዝኸውን ድሕነታዊ ምቅርራብ ከተዳሉ ይግብኣ እዩ” ድሕሪ ምባል “ፊንላንድ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ምውሳና፡ ንድሕነት ሃገራት ኖርዲክ ዘደንፍዕ ብምዃኑ ቅኑዕ” ክትብል ሱልበሪ ኣረዲኣ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com