Wednesday , May 15 2024
A massive oil spill caused by leakage from the power plant inside the oil refinery is spreading along the coast of the Mediterranean country, Syria's state news agency said and satellite photos showed Wednesday. (Planet Labs Inc. via AP) ARE102

ሶርያ፡ ካብ ሓደ ትካል ዝፈሰሰ ነዳዲ፡ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ይብክል

ካብ ሓደ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ትካል ናብ ማእከላይ ባሕሪ ዝፈሰሰ ነዳዲ፡ ናብ ደሴታዊት ሃገሮም ከይልሕዂ ንምቊጽጻር፡ ሰብመዚ ቆጵሮስ፡ ብተጠንቀቕ ይከታተሉ ምህላዎም ተገሊጹ።

ካብ ትካል መጻረዪ ድፍድፍ ነዳዲ ባንያስ ዝፈሰሰ፡ ናብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ምልሓኹ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሶርያ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዘን ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። እዚ ዝለሓዀ ነዳዲ፡ ካብ ገማግም ሶርያ ኣትሒዙ ብወገን ምዕራብ ናብ ደሴታዊት ሃገረ ቆጵሮስ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ካብ ሳተላይት እተረኽቡ ምስሊታት የመልክቱ። ምናልባት ክሳብ ዝቕጽል ሰሉስ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ገማግም እዛ ደሴት ክበጽሕ ከም ዝኽእል እውን ተገሊጹ’ሎ።

ሰብመዚ ናይታ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ቱርኪ ዘላ ሰሜናዊት ደሴት ቆጵሮስ ብወገኖም፡ እዚ ምልሓዂ ናይ ነዳዲ፡ ኣብ ደሴቶም ጒድኣት ንኸየብጽሕ ብተጠንቀቕ ይሕልዉ ምህላዎምን መንግስቲ ቱርኪ እውን ዘድሊ ሓገዝ ክገብረሎም ቅሩብ ምህላዉን ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com