Thursday , May 16 2024
STOCKHOLM 20211124 Statsministeromröstning i riksdagen. Foto: Erik Simander / TT kod 11720

ሽወደናዊ ማሕበራዊ ሞዴል … 8ይ ክፋል … ተሓላቒ ፍትሒ (Ombudsmen)

ካብቶም ኣብቲ ሓፋሽ ክፍጠር ንዝድለይ ግልጽነት ከታባብዑ ዘኽእሉ መስርሓት እቲ ሓደ፡ መስርሕ ናይ ተሓላቒ ፍትሒ ምትእትታው እዩ፡፡ እዚ ኣምር እዚ ድማ ናብ ብዙሓት ሃገራት ተጋዊሑ ዝርከብ መስርሕ እዩ።
ሽወደን እዞም ዝስዕቡ ዓይነታት ተሓለቕቲ ፍትሒ ኣለዋ፥
  • ተሓላቒ ፍትሒ ‘ንፍትሒ’ (The Ombudsmen for Justice – JO) ወይ ድማ በቲ ባይቶ ስለዝምረጽ፡ ብዕላዊ መጸውዒኡ ባይቶኣዊ ተሓለቕቲ ፍትሒ ዝባሃል ኮይኑ፡ እቶም መንግስታዊ ትካላትን ሰብ መዚን ምስቲ ህሉው ሕጊታትን ኣሰራርሓታትን ናይታ ሃገር ተቀይዶም ግዴታኦም ይገብሩ ምህላዎም ዘራጋግጽ ኣካል እዩ።
  • ቤትጽሕፈት ናይ ፍትሒ ቻንሰለር (The Office of the Chancellor of Justice – JK)፡- ብቐዳምነት ንመንግስቲ ወኪሉ ነቶም መንግስታዊ ትካላትን ቤት ፍርዲን ይቆጻጸር፣ ንጉዳያት ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ ነታ ሃገር ይውክል፣ ንመንግስቲ ወኪሉ ናይ መጉዳእቲ ካሕሳታት ብዝምልከት ነቶም ዝቐርቡ ሕቶታት የዳቕስ፣ ኣብ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ከምኡ ድማ ኣብ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናጽነት ንዝላዓሉ ጉዳያት ኣመልኪቱ ከም ኣኽባሪ ሕጊን ከም ሕጋዊ ኣማኻሪ መንግስቲን ኮይኑ ይዓዪ።
  • ተሓላቒ ፍትሒ ናይ ተጠቀምቲ ፍርያት (The Consumer Ombudsman – KO)፡- ንረብሓ እቶም ተጠቀምቲ ፍርያት ዝኾኑ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብ ኣንጻር ኩባንያታት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ይጣበቐሎም። እቲ ቐዳማይ ሓላፍነት ናይዚ ተሓላቒ ፍትሒ ድማ እቶም ኩባንያታት ነቶም መስርሓት ናይ ንግዳዊ ሕጊታት፣ ናይ ተጠቀምቲ ፍርያት ሕግታት፣ ድሕነት ናይ ፍርያት ሕጊታት ኮምኡ ድማ ናይ ርሑቕን ቀረባን መሸጣታት ዝምልከቱ ሕግታት ይትግብሩዎ ምህላዎም ምርግጋጽ እዩ።
  • ተሓላቒ ፍትሒ ናይ ቤት ጽሕፈት ማዕርነት (The Office of the Equality Ombudsman – DO) ፡- ምስ መስርሕ ናይ ሻራዊነት ዘሎ ምቅዳው ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ።
  • ናይ ቆልዑት ተሓላቒ ፍትሒ (The Ombudsman for Children in Sweden – BO)፡- ብመሰረት እቲ ኣብ ኮንቬንሽን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰፊሩ ዘሎ ‘መሰላት ናይ ቆልዑት’፡ ንመሰላትን ድሌታትን ናይ ቆልዑትን መንእሰያትን ወኪሉ ይሰርሕ።
  • ተሓላቒ ፍትሒ ናይ ቆልዓን ውክልና ተማሃራይን (The Child and School Student Representative – BEO)፡- ብመሰረት ናይ ‘ትምህርቲ ሕጊ’ መሰላት ናይ ቆልዑትን ተምሃሮን ኣመልኪቱ ጎስጓስ ይገብር።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com