Thursday , May 16 2024

ሽወደናውያን መረጽቲ፡ ንጉዳይ “ውህደት” ከም ካልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ ይሰርዕዎ

ካብ ማእከል ኖቨስ ዝተረኽበ መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ሽወደናውያን መንረጽቲ፡ ንጉዳያት ጥዕናን ክንክን ሽማግለታትን ቅድሚ ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ውህደትን ብምስራዕ ብኣገዳስነቱ ኣብ ቀዳማይን ሓሙሻይን ደርጃታት ኣንቢሮሞ ምህላዎም ሓቢሩ።

ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ውህደትን፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ኳ እንተ ተሰርዑ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝነበረ መጠን ተገዳስነት ብ6% ምቕናሱ እቲ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ክንክን ሽማግለታት፡ ኣገዳሲ ረቛሒ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ዝሓበረ ጠቕላሊ ሓለቓ ኖቨስ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝነበረ መጠን ተገዳስነት ብውሑድ ዓቐን ምውሳኹ ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክንክን ሽማግለታት፡ ብሽወደናውያን ኣድመጽቲ፡ ኣብ መበል 5ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ብ7% ምውሳኹ ይፍለጥ።

ሽወደናውያን ወሃብቲ ድምጺ፡ ብኣገዳስነቶም ዝሰርዕዎም ዛዕባታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዩም

  1. ክንክን ጥዕና ብ66%
  2. ኢሚግሬሽንን ምውህሃድን ብ49%
  3. ሕጊን ስርዓትን ብ49%
  4. ቤት ትምህርትን ስርዓተ ትምህርትን ብ47%
  5. ክንክን ሽማግለታት ብ38%
  6. ከባቢን ክሊማን ብ38%
  7. ስራሕን ዕዮን ብ33%
  8. ሃገራዊ ቁጠባ ብ32%
  9. ጡረታ ብ27%
  10. ጾታዊ ማዕርነት 22%

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com