Thursday , May 16 2024

ሽወደናውያን ተመራመርቲ፡ ጸረ ከቢድ ምልክት ሕማም ኮቪድ-19 ሓድሽ መድሃኒት ፈቲኖም።

ኣብ ሉንድ እትርከብ ክሊኒክ ምቁጽጻር ለበዳ፡  ንሓሙሽተ ብሓገዝ ማሽን ከስተንፍሱ ዝጸንሑ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ዝኾኑ ሰባት ንሕማም Cystic fibrosis (ሲስቲክ ፋይብሮሲስ) መፈወሲ ዝጥቀምሉ መድሃኒት ከምዝፈተንሎምን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ሓገዝ ማሺን ከምዝተገላገሉን ንጽልዋ ናይቲ መድሃኒት ዝምልከት ብወገን እቶም ተመራመርቲ መጽናዕታት ይካየዱ ከምዘለዉ SVT ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ተፈቲኑ ዘሎ መድሃኒት ነቲ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝስዕብ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ክፍውስ ከምዝኽእል ኣብ ሉንድ ዝርከብ ሆስፒታል ስኮና ዝሰርሕ ሓኪም፡ ኣዳም ሊንደር፡ ገሊጹ።

እዚ መጽናዕቲ ብምትሕብባር ዩኒቨርስቲ ሉንድን ምምሕዳር ስኮናን ዝተኻየደ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ሓሳብ ናብ ተግባር ዝበጽሐ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንልዕሊ 50 ኣብ ትሕቲ ሕክምና ሉንድ ዝርከቡ ብከቢድ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ሰባት ፈተና ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

 Cystic fibrosis ዝተባህለ ውርሻዊ ሕማም ኣብ ልዕሊ ህዋሳት ሳንቡእን ላልሽን (ቆስጠ) ምእካብ ናይ ልፋጭ (ዓልገት) ዘስዕብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com