Friday , May 17 2024
Foto: Christine Olsson / TT / kod 10430

ሽወደንን ብሪጣንያን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘጠቓልል ስምምዕ ከቲመን።

ሽወድንን ብሪጣንያን፡ ሓዲአን መጥቃዕቲ ምስ ዝወርዳ እታ ኻልእ ሓገዝ ከተበርክት፡ ዝብል ውዕል ዘጠቓልል ስምምዓት ትማል ረቡዕ ክቲመን ተባሂሉ። እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል፡ ሽወደን ናብ ኪዳን ስሜን ኣትላንቲክ ክትጽንበር ትወስን ኣይትሰውን ብዘየገድስ፡ ኣብ ትግባረ ክውዕል ምዃኑ፡ ቀዳሞት ሚኒስተራት እተን ሃገራት ገሊጾም ኣለዉ። “ሽወደንን ብሪጣንያን፡ ኲናት ወይ ኣዕናዊ ኲነታት ምስ ዝገጥመን፡ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን ኣለዋ” ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣብሪሃ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com