Friday , May 17 2024

ሽወደን፡ መድሃኒት ክታበት ካብ ኩባንያ ፋይዘር (Pfizer) ክትገዝእ ምዃና ተሰማሚዓ

ሽወደን ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ብምዃን፡ ካብ ኩባንያታት ፍይዘርን ባዮኤንቴክን መድሃኒት ክታበት ክገዝኣ ከምተሰማምዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ብመሰረት ስምምዕ፡ ሽወደን፡ ን2.3 ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 65 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሰባት፡ ዝኣክል 4.5 ሚልዮን መድሃኒት ክታበት ክትገዝእ ምዃና ተፈሊጡ።

ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኩባንያታት ፋይዘርን ባዮኤንተክን፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ በጺሑ ዘሎ ኣድማዕነቱ 90% ዝኾነ ክታበት ከምዘፍረዩ ሓቢሮም ነይሮም። እዚ ክታበት ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምተፈተነ ይሕብሩ።

ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚኒስተር ህዝባዊ ጉዳያት፡ ለና ሃለንግሪን፡ ዳይረክተር ጀነራል ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ኣዋሃሃዲ ክታበት፡ ሪቻርድ ቤርግስትሮም ተረኺቦም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com