Friday , May 17 2024

ሽወደን፡ ማስክ ንምኽዳን ዝግድድ መምርሒታት ንኸተታኣታቱ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጸዊዑ

ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምንካይ፡ መምርሒታት ምኽዳን ማስክ ከተተኣታቱ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጸዊዑ።

ኩለን ምልባዕ ለበዳ ኮሮና ኣጥቂዕወን ዘሎ ሃገራት፡ መምርሒታት ምኽዳን ማስክ ክኽተላ ይግባእ ክብል ሓላፊ ክፍሊ ቅልውላው’ቲ ውድብ፡ ማይክ ራያን፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መገለጺ ሓቢሩ ክብል ኤክስፕረሰን ኣቃሊሑ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና፡ ሽወደን ዝተኸተለቶ ኣገባብ፡ ብዕቱብ ይከታተሎ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ትማሊ ስኑይ፡ ሽወደን ዝተኣታተወቶም ሕጊታት ብሓጎስ ከም እተቐበሎ፡ እቲ ውድብ፡ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ ሽወደን፡ መምርሒታት ምኽዳን ማስክ  ከተታኣታቱ ጸዊዑ።

ማስክ ምኽዳን፡ ብፍላይ ኣብቶም ርሕቀትካ ምሕላው ዘጸግሙ ቦታታት፡ ኣገዳስነቶም ልዑል ምዃኑ፡ ራያን፡ ገሊጹ። ኢድካ ምሕጻብን ርሕቀትካ ምሕላውን ኣዝዩም ኣገዳስቲ ኣገባባት መከላኸሊ እኳ እንተኾኑ፡ ማስክ ምኽዳን ድማ ተወሳኺ ኣማራጺ እዩ። ቅድሚ ማስክ ምኽዳን፡ የእዳውና ብግቡእ ክነጽሪን እቲ ማስክ ድማ ብዝግባእ ኣገባብ ክንክደኖ ድኣ እምበር ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫ ክንገብሮ ኣይግባእን ክብል ራያን ኣዘኻኺሩ።

ሽወደን ሕጊታት ምትራራ ብኣዎንታ ከም ዝርእዮ ዝገለጸ ራያን፡ ሓድሽ ኣገባብ ምትእትታው ብርትዐ ዝሓትት እዩ ኢሉ።

ሕጂ ሃገራት ምስ ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህዝቢ ብለበዳ ከይጥቃዕ ክሰርሓ ግዜኡ እዩ ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com