Friday , May 17 2024

ሽወደን፡ ቫይረስ ኮሮና ንመስርሕ ግዴታዊ ምስጓግ ስደተኛታት ደው የብሎ።

ፖሊስ ሽወደን ነቶም ሕቶ ዑቕበኦም ዝተንጽገ እሞ ንግዴታዊ ምስጓግ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑ ስደተኛታት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ከምዝለቐቖም ሎሚ ቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። “እዚ ጉዳይ’ዚ ንገዛእ ርእሱ ሽግር’ዩ” ክብል ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን ሓላፊ ፖሊስ ምክትታል ዶባት (NOA)፡ ፓትሪክ ኢንግስትሮም፡ ገሊጽዎ። ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ከምተሃስየን፡ እቶም መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ስደተኛታት እሞ ኣብ ደገ ዘለዉ ውን ብሰንኪ እገዳ በረራታት ንሽወደን ክምለሱ ኣይከኣሉን።

እጃም ሽወደን ዝኾኑ ብUNHCR ዝተዓደሉ ስደተኛታት ናብ ሽወደን ንኸይኣትዉ ከም ዝደናጎዩ ኮይኖም ክትብል ተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ሕቶ ዕቑበኦም ዝተነጽገ ብፖሊስ ንግዴታዊ ምስጓግ ተዳልዮም ዘለዉ ስደተኛታት ብዝሖም ክሳብ 17 ሽሕ ይበጽሑ። ኩለን ሃገራት ዶባተን ብምዕጻወንን በረራታት ደው ምባሉን ነዞም ስደተኛታት ንኸይንመልሶም ኣሸጋሪ ኮይኑና ክብሉ ኣብ ኢሚግሬሽን ዝሰርሑ ሓለፍቲ ይዛረቡ። ካብዚኣቶም እቶም 12 ሽሕ ካብ ፖሊስ ተሓቢኦም ብዘይ ሕጊ ዝነብሩ ዘለዉ ምዃኖም ፖሊስ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com