Friday , May 17 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ሽወደን ምስ ቱርክ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዋ ከም እትደሊ ገሊጻ።  

ሓድሽ ዝቖመ መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ቱርክ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዎ ከም ዝደሊ ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደንን ፖል ጆንሰን ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ምጽንባር ኣብ ጒዳያት ወጻኢ መንግስቲ ሽወደን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት እዩ ዝበለ ጆንሰን፡ ቱርክን ሃንጋሪን ኣብዚ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ዕንቅፋት ኮይነን ምህላወን ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ብዘይካዚ ሽወደን ን ዩክሬይን ምዕቡላት ኣጽዋር ብሓገዝ ክትህብ ምዃና ጆንሰን ቃል ኣትዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com