Friday , May 17 2024

ሽወደን ናብ ኔቶ ተጸንቢራ

Credit: Thomas Nilsson/TT

ሽወደን ትማሊ ሓሙስ ብዕሊ ኣባል ኔቶ ኮይና፡፡ ሽወደን ብ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝኾነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ናብቲ ውድብ ንምጽንባር ዘኽእል ባእታታት ናብ መንግስቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ። ሩስያ ን ዩክሬይን ክትወርር ምኽንያት ዝኾነ ጒዳይ ምስፋሕ ኣባልነት ኔቶ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽወደን ናብዚ ወተሃደራዊ ኪዳን ብምጽንባራ ነቲ ን200 ዓመታት ዘካየዳ መትከል “ዘይሻራናት” ብዕሊ ከብቅዕ ምግባራ ዘመልክት እዩ። ሕጂ ባንዴራ ሽወደን ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ ክትስቀል፥ እዚ ስነ-ስርዓት ከኣ ዝመጽእ ሰኑይ ክካየድ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እታ ሃገር ኖርዲክ ኣብ ግንቦት 2022 ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ክትጽንበር ኣመልኪታ እኳ እንተነበረት፡ ካብ ቱርክን ሃንጋሪን ግን ምድንጓያት ኣጋጢምዋ እዩ። ሽወደን ብወግዒ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ተጸንቢራ ዘላ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወራር ኣብ መላእ ኤውሮጳ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል እያ ዝብል ስክፍታታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ሓድነትን ምትሕግጋዝን ን ሽወደን መራሕቲ መትከላት ክኾና እየን፥ ምስ መሓዙትና ኸኣ ሓላፍነትን ሓደጋን ክንካፈል ኢና” ኢሉ። ብሊንከን ብወገኑ ሰነዳት ሽወደን እንክቕበል “እዚ ፍጻመ ንሽወደን፡ ንኪዳንናን ንርክብ ስግረ-ኣትላንቲክን ታሪኻዊ ህሞት’ዩ ትዕግስተኛታት ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ናብኦም እዩ” ኢሉ። ሚኒስተር ስራሕን ውህደትን ሽወደን ዮሃን ፐርሰን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ምጽንባር “ንሽወደን ሓድሽ ምዕራፍ ፖሊሲ ጸጥታ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ብውልቁ ን20 ዓመታት ነዚ ውሳነ ክጽበ ከምዝጸንሐ ገሊጹ። ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ምስ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ቀጥታዊ ምትሕሓዛ ኣለዎ። ሩስያ ብ ለካቲት 24 2022 ን ዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ ፥ ሽወደንን እታ ምስ ሩስያ ናይ 1,340 ኪ.ሜ ዶብ ዘለዋ ጎረቤታ ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንኽጽንበራ ምምልካተን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com