Sunday , May 19 2024

ሽወደን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም ንጃፓን 2 ብ 1 ረቲዓታ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ፥ ሽወደን ን ጃፓን 2 ብ 1 ስዒራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ
ሓሊፋ’ላ። በዚ ድማ፥ ኣብ ዝመጽእ ጸወታ ሽወደን ምስ ስፔይን ክትገጥም ኢያ። እዚ ጸወታ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ሰዓት 9.30
ቀዳም ንግሆ እኳ እንተ ተጀመረ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ደገፍቲ ሽወደን ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ኣብ ሞሰባ ከተራሰን ኣብ ክፉት
ኣየር ኣብ ዝርከብ ባር፥ ነቲ ጸወታ ብዓብዪ ስክሪን ንምዕዛብ ብኣግኡ ተኣኪቦም ምንባሮም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
መስራቲት ጉጅለ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ደቀንስትዮ ሽወደን–“ሶፍት ሁሊጋንስ”– ዝኾነት ኤስትሪድ ክጀልማን፥ "እተን ናይ
መወዳእታ 20 ደቓይቕ ኣዝየን ወጥሪ ዝመልአን እየን ነይረን፡፡ እንተኾነ ግና ኣዝየ’የ ተሓጒሰ" ክትብል ገሊጻ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com