Wednesday , May 15 2024

ሽወደን . . . ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ዝለዓለ መጠን ቁጠባዊ ዝቕባበ ተራእዩ

ብመሰረት መዐቀኒ መጠን ቁጠባዊ ዝቕባበ CPIF፡ መጠን ቁጠባዊ ዝቕባበ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ 1.7% ምብጽሑ ክሕብር እንከሎ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ድማ እቲ መጠን 1.6% ምንባሩ ገሊጹ። ከምዝፍለጥ፡ ወርሓዊ ገምጋም ለውጢ መጠን ዝቕባበ፡ 0.3% ክኸውን ከምዝኽእል፡ ስታትስቲክስ ሽወደን (SCB) ይሕብር ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብመሰረት መዐቀኒ መጠን ቁጠባዊ ዝቕባበ ሪክስባንክ (Riksbank) ዝኾነ KPIF፡ ጽልዋ ናይቲ ለውጢ፡ ኣብ ልዕሊ መጠን ዝተሓዙ ትሕጃታት (mortgage) ከምዘይተራእየ ገሊጹ።

መጠን ቁጠባዊ ዝቕባበ፡ ማለት፡ ኣብ ዋጋታት ሃለኽቲ ዝረአ ዓመታዊ ለውጢ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዝነበረ ዋጋ ብምንጽጻር ዝፍለጥ እዩ። ወርሓዊ ለውጢ ማለት ድማ፡ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ዘሎ መጠን ለውጢ ዋጋታት ሃለኽቲ ዝዕቅን እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com