Wednesday , May 15 2024
(AP Photo/Ariel Schalit) ASC107

ሽወደን ኣብ ዓለም . . . 2ይ ክፋል . . . ሽወደንን ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምምስራቱ፡ ሓደ ዓመት ጸኒሓ፡ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 1946፡ ኣባል ናይዚ ውድብ ክትከውን በቒዓ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚራ ድማ ሸወደን፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እተካይዶ ንጡፍ ተሳትፎ፡ ከም ቀንዲ ኣገዳሲ ባእታ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ገይራ ትቕጽል ኣላ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝግበር ምትሕግጋዝ፡ ካብ ባይቶ ሽወደን፡ ዓቢ ድጋፍ ዝረክብ ኮይኑ፥ ኣብ ናይ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብዛዕባ ኣታኣላልያ ዓበይቲ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳያት ብዝምልከት ነዚ ምትሕግጋዝ ከም ዝዓበየ ኣገዳሲ መሳርሒ ገይሩ እዩ ዝቖጽሮ። እዚ ንምግባር ድማ ሓያል ዝኾነ ውድብን ኮምኡ ድማ ኣብ ሞንጎ ከባብያዊ ትካላት፣ ሕድሕድ ሃገራትን ኣብ ኩሎም ክፍልታት ዓለም ዝርከቡ ሲቪክ ማሕበራትን ስጡም ዝኾነ ምትሕግጋዝ ከም ዘድሊ ስለ ትኣምን እዩ።
ካብ ዓመተ 1960 ጀሚራ፡ ሽወደን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወፍርታት ዓቃብ ሰላም ከም ዝተሳተፈት ይፍለጥ። ንብዙሕ ዓመታት፡ ልዕሊ 70,000 ዝኾኑ ሽወደናውያን ኣብ ትሕቲ ወፍሪታት እቲ ውድብ፡ ዘገልገሉ ክኾኑ ከለው፡ ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን ድማ ከም ሞንጎኛታት ብምዃን ሰሪሖም።
መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጥፈታት ዝተሳተፈ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ብዙሓት ኣገደስቲ ተበጉሶታት’ውን ሓያል ጽልዋ እትገብር ዝነበረትን ዘላ እያ።
መንግስቲ ሽወደን፡ ሓያል ተበግሶታት ካብ ዝወሰደሎም ዛዕባታት እዚኦም ይርከቡዎም፥ ምውጋድ ናይ ሞት ፍርዲ፣ ናይ ቆልዑት መሰላት፣ ምውጋድ ኣፓርታይድ፣ ዋዕላ ኣንጻር ምስቓይ፣ ምንካይ ኣጽዋር፣ ጉዳያት ኣከባቢን ኮምኡ’ውን ኣንጻር ዕጸ-ፋሪስ ኣብ ዝተወስዱ መርገጻት።
ሽወደን፡ ሓንቲ ካብቶም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፋላለዩ ናይ ምዕባለን ምድግጋፍን መስርሓት ዝለዓለ ገንዘባዊ ፈሰስ ካብ ዝገብሩ ሃገራት ምዃና ይፍለጥ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com