Friday , May 17 2024
Anders Wiklund / TT / NTB

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ወተሃደራዊ ልምምዳት ኔቶ በጺሓ። 

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ከምኡ’ውን መራሒ ሰልፊ ሞደርናታ ኡልፍ ክሪስተርሰ ኔቶ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ “ኮልድ ሪስፖንስ” ንምዕዛብ ናብቲ ኣብ ኖርላንድ ዝርከብ ኤቫንስ ከም ዝበጽሑ ተፈሊጡ። 

ክልቲኣቶም ምስቶም ኣብዚ ልምምድ ዝሳተፉ ዘለዉ ወተሃደራት ሽወደንን ፊንላንድን ክራኸቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣስታት 1500 ዝኾኑ ወተሃደራትን ሰብመዚን ሰራዊት ምክልኻል ሽወደን ኣብዚ ኮልድ ርስፖንስ ዝበሃል መናውራ ይሳተፉ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ልምምድ ኣብ ክልተ ዓመት ሓንሳብ ዝካየድ ኮይኑ እዚ ናይ ሕጂ ልምምድ ኣብ ማእከላይ ኖርወይ ኣብ ዝሓለፈ 14 መጋቢት እዩ ጀሚሩ። እንድሕሪ ኣብ ኣየት ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ምርጫ ተዓዊቱ–ሽወደን ኣባል ኔቶ ንኽትከውን ከመልክት ምዃኑ ክሪተርሰን ብዓርቢ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ብወገኑ ፊንላንድ እንድሕር ንኣባልነት ኣመልኪታ ወይ ኣስጋኢ ጸጥታዊ ኲነታት እንተተፈጢሩ ኣባልነት ኔቶ ምሕታት ኣገዳሲ ኮይኑ ከም ዝረኣዮ ኣመልኪቱ’ሎ። 

ኣብዚ ልምምድ ካብ 27 ሃገራት እተዋጽኡ 30000 ወተሃደራት ይሳተፉ ምህላዎም ጸብጻብ ኖርወይ ቱደይ የመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com