Friday , May 17 2024

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ገዲፋ፡ ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ሳና ማሪን፡ ምስ ድሒራ ብኮሮና ቫይረስ ከም ተለኽፈት ዝፈለጠት ሰብ ተራኺባ ስለዝነበረት፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ገዲፋ፡ ናብ ሃገራ ተመሊሳ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድን ዴኒማርክን ኣቐዲመን፡ ነቲ ብኣካል ተረኺብካ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ተቛዊመን ምንባረን ይዝከር።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴኒማርክ፡ ሚት ፍሬድሪክሰን፡ ምስቶም ኣብ ብሮክሲል ዝርከቡ ዴኒማርካውያን ጋዜጠኛታት ዝገበረቶ ርክብ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፡ ብመንገዲ ኢንተርኔት ክኸውን ኔርዎ ክትብል ሓቢራ።

ኣቐድም ኣቢላ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾነት ኦርሶላ ቮን ደር ላይን፡ ሓደ ካብ ኣባላታ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈ ምስ ተፈልጠ፡ ነብሳ ንኽትውሽብ፡ ነቲ ኣኼባ ገዲፋቶ ከምዝኸደት ይዝከር።

ማሪና ብወገና፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፊንላንድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተረኺባ ከምዝነበረትን፡ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፋ ዝነበረት ኣባል ድማ ስዒቡ ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፈት ድሕሪ ምፍላጣ፡ ነቲ ውሳኔ ከምዝወሰደቶ ተፈሊጡ።

ማሪና፡ ኣብ መጨረሽታ መዓልቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ንፊንላድ ንኽውክል፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሓላፍነት ሂባቶ ኣላ።

ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሎሚ፡ ዓርቢ ክዛዘም እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com