Sunday , May 19 2024
(Ludovic Marin, Pool via AP) XVER108

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሽወደን ምብጻሕ ክትፍጽም እያ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ሎሚ ረቡዕ ምስ መዘናኣ ማግዳሌና ኣንደርሾን ንምርኻብ ናብ ስቶክሆልም ክትኣቱ እያ። ሩስያ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ኣባልነት ወተሃደራዊ ኪዳን (ኔቶ) ምዃን ኣብ ክልቲኣተን ሃገራት ኣካታዒ ዛዕባ ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሎሚ ረቡዕ ን ባይቶ ፊንላንድ ሓድሽ ገምጋም ፖሊሲ ጸጥታ ቀሪቡሉ ኣባል ኔቶ ምዃን ዘለዎ ረብሓታትን ሒዝዎ ዝመጽእ ስግኣታትን ክዝርዘር እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com