Friday , May 17 2024

ቀጠልያ መረጋገጺ ወረቐት “Gröna beviset”፡ ንገያሾ፡ ኣፍደገ ክኸፍት ክኽእል እዩ

ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ዝወሰዱ ዘረጋግጽ ኤሌክትሮኒካዊ ምስክር ወርቐት፡ ቀጠልያ መረጋገጺ ወረቐት (“Gröna beviset” ወይ ድማ Green proof) ተባሂሉ ክጽዋዕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ መረጋገጺ ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ሳንዱቕ ፖስታ፡ ቺቭራ (Kivra)፡ ኣቢሉ ክቐርብ ምዃኑ ኤሌክትሮኒካዊ በዓል መዚ ጥዕና ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።  

ቀጠልያ መረጋገጺ ወረቐት፡ ክታበት ዝወሰድካሉ ዕለትን ውልቃዊ ሓበሬታኻን ዝሓዘ ክዩ-ኣር ኮድ (QR code) ዝሓዘ ክኸውን እዩ። ብመሰረቱ፡ እቲ ቀጠልያ መረጋገጺ፡ ክታበት ከምዝወሰድካ ዝሕብር ኮይኑ፡ ኣሉታዊ መረጋገጺ ውጽኢት መርመራን ካልእ ሕማማት ዝሕብርን ንኽኸውን ድማ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ቀጠልያ መረጋገጺ ወረቐት፡ ነቶም ኤሌክትሮኒካዊ መለለይ ቁጽሪ ንዘይብሎም ሰባት ውን ንኽወሃብ፡ ይስራሓሉ ኣሎ ኢሉ።

ካብ ዕለት 01 ሰነ ጀሚሩ፡ ንቀጠልያ መረጋገጺ ወረቐት ዝምልከት ትሕተ ቅርጺ ክዳሎ መደብ ተታሒዙ እኳ እንተሃለወ፡ ንመዓስ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ግን ውሱን ዕለት ኣይተገብረሉን ዘሎ።

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ዕለት 26 ሰነ ጀሚሩ፡ ንቀጠልያ መረጋገጺ ወረቐት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀጠልያ መረጋገጺ ወረቐት፡ ብነጻ ክወሃብ ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com