Friday , May 17 2024

ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ተሓቢሩ።

ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ካብ ወርሓ መጋቢት ንደሓር ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ኣመና ምጒዳሉን በዚ ድማ እቲ ናይ መገሻ እገዳ እንተቐጺሉ ሕቶ ዕቚባ ናብ 10 ሽሕ ጥራይ ክድረት ከም ዝኽእል ገሊጹ። “እቲ ትጽቢታት ገና ኣይተረጋገጸን” ዝበለ ዳይረክተር ውጥን ሄንሪክ ሆልማን ” እዚ ለበዳ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ሕቶ ክሳብ መኣስ ይጸንሕ ኣብ ዝብል ዝምርኰስ እዩ” ክብል ወሲኹ ኣብሪሁ። ሕቶ ዕቚባ ምስ ወርሓ ለካቲት ብምውድዳር ካብቲ ዝጸንሐ ትጽቢት ማለት 21 ሽሕ ብክልተ ሽሕ ምንቊልቋሉ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ እቶም ዝበዝሑ ሓተትቲ ዕቚባ ኣቐዲሞም ኣብ ሽወደን ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com