Saturday , May 18 2024

በርሙዳ ትሪያንግል

በርሙዳ ትሪያንግል፡ ኣብዚ ዘመንና እቲ ዝዓበየ ዘይተፈትሐ ምስጢር ሒዙ ይርከብ። እዚ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ስሉስ ኩርናዕ ቅርጺ ሒዙ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝርከብ ቦታ፡ ሂወት ብኣሽሓት ናይ ዝቑጸሩ ሰባትን፡ ዝተፈላለያ መራኽብ፡ ጀላቡን ነፈርትን ኣጥፊኡ ይርከብ። ምስጢር ምስዋር ናይዘን መራኽብን ነፈርትን ኣብዚ ቦታ’ዚ ክፍለጥ ብዘይምኽኣሉ፡ ካብ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ትርጉሙ ክርደኣካ ናብ ዘይክእል ጽውጽዋይ ተቐይሩ ይርከብ።

• በርሙዳ ትሪያንግል ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ብዘለዎ ቅርጺ ስሉስ ኩርናዕ 440 ሽሕ ማይልስ ሸፊኑ ይርከብ።

 • እዚ ምስጢሩ ዘይተፈልጠ ጥፍኣት ዝተፈላለዩ ሂወትን ንብረትን፡ ብብዝሒ ኣብቲ ስሉስ ኩርናዕ ቅርጹ ክኸውን ከሎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ኣብቲ ከባቢኡ ናይ ምጥፋእ ምልክታት ይርአ እዩ።

• እቲ ንተመራመርትን ዳህሰስትን ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ድማ፡ ኣብዚ ውሽጢ ባሕሪ ዝጠፍኣ መራኽብ ኮነ ነፈርቲ ዋላ እቲ ናተን ስብርባር ክርከብ ዘይምኽኣሉ እዩ።

• ሓደ ካብቶም ኣብ በርሙዳትሪያንግል ዘጋጠሙ ዓበይትን ፍሉጣትን ጥፍኣት፡ ክሳራ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ መራኽብ ኣብ 1945 እዩ። ካብ ፎርት ላውደርዳለ ፍሎሪዳ ተበጊሰን ንደሴት ቢሚኒ ከጥቅዓ ዝተላእካ ሓሙሽተ ብትሕቲ ባሕሪ ዝውንጨፍ ሮኬት ዝጸዓና መራኽብ ኲናት፡ ምስቶም ነቲ ስርሒት ክፍጽሙ ዝተላእኩ 14 ሰባት፡ ድሕሪ 90 ደቓይቕ ደሃይ ከም ዘጥፍኣ ይፍለጥ።

 እቲ ዝቆጻጸሮም ዝነበረ ኦፕሬተር፡ ሒዞሞ ዝነበሩ ኮምፓስን መስመራትን ድሕሪ ምጥፍኡ ኩሉ ርክባት ከም ዝተቛረጸ ይሕብር። ድሕሪቲ ኣጋጣሚ ኣሰረን ወይ’ውን ስብርባር ናይተን ሮኬት ክርከብ ኣይተኻእለን። ንዕአን ንምድሓን ዝተላእካ 3 ነፈርቲ’ውን ከም ዝጠፍኣ ይፍለጥ።

 • መጀመሪያ ብዛዕባ በርሙዳ ትሪያንግል ዝፈለጠን ዝሓበረን ክሪስቶፈር ኮሎምበስ እዩ ዝነበረ። ኣብ ናቱ መጽሄት ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ – “ኣብ ውሽጢ እቲ ስሉስ ኩርናዕ እታ ኮምፓስ ስርሓ ኣቋሪጻ። ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ዝርከብ ሰማይ ባርዕ ናይ ሓዊ ርእየ።” በርሙዳ ትሪያንግል፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ኮምፓስ ዘይተንከፎም ቦታታት ዓለምና እዩ።

• በርሙዳ ትሪያንግል፡ ምስጢሩ ዛጊት ክፍለጥ ብዘይተኻእለ – ብገምጋም ኣብ ዓመት 20 ንኣሽቱ ጀላቡን 4 ነፈርትን ይጠፍኣ። ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ትንፋስ ኣብዚ ቦታ’ዚ ጠፊኡ ኣሎ።

ምንጪ:  internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com