Thursday , May 16 2024

በዓል መዚ መጓዓዝያ፡ ዕላማታት ከባብያዊ ብከላ ንምትግባር፡ ዋጋታት ነዳዲ ክውስኹ ይጽውዕ

ከባብያዊ ብከላ ንምጉዳል፡ ሽወደን፡ ዋጋታት በንዚንን ናፍታን ክትውስኽ ከድልያ እዩ ክብሉ ካብ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።

መጠን ዋጋታት በንዚንን ናፍታን፡ ብቐጻሊ ብምውሳኽ፡ ኣብ ጎደናታት ዝርአ ናይ መካይን ምንቅስቓስ ክንድርትን ጎኑ ጎኑ ድማ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ናብ ዕዳጋታት ነተኣታቱ ኣለና ክትብል ሓላፊት ምምሕዳር በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ሊና ኤሪክሶን፡ ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ኣብ ዓመተ 2030፡ መጠን ናይቶም ካብ መካይን ናብ ኣከባቢ ዝሕወሱ በከልቲ ጋዛት፡ ብ70% ንምቕናስ፡ ዕላማ ሒዙ፡ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ይሰርሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ነዚ ዕላማ ንምትግባር ድማ፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ክበዝሓን መጠን ክፍሊት ግብሪ በንዚንን ናፍታን ድማ ክውስኽ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ወሰኽ መጠን ዋጋታት በንዚንን ናፍታን፡ ኣብ መንጎ ንምውሳኽ ዋጋታት ዝቋወሙን፡ ተሓለቕቲ ኣከባቢ ዝኾኑ ኣካላትን ዓቢ ናይ ዝርርብ ኣርእስቲ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ተዓዘብቲ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com