Friday , May 17 2024

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንዝርጋሐ ኮሮና ዝቕይድ ስጉምቲ ይእውጅ።

ቤትጽሕፈት ኢመግረሽን ነቶም ኣብ ስግኣት ዓንኬል ዚርከቡ (ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን) ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ፍሉይ ገዛ ከቐምጦም መዲቡ ኣሎ፡ ነዚ ስጉምቲ ዚወስዶ ዘሎ ድማ ኣብቶም ጠየቕቲ ዑቕባ ዝርጋሐ ኮሮና

ንምዕጋት እዩ። በዚ ሓበሬታ መስረት ኣስታት 15 ሽሕ ኣብ ናይ ኢመግረሽን ገዛውቲ ኪቕመጡ ከለዉ፡ 21 ሽሕ ድማ ኣብ ናውልቖም ይነብሩ ከምዘለዎ ይሕበር።  

የን ሶርማን፡ ሓላፊ ገዛውቲ ሚግረሽን፡ እቲ ምምሕዳር ብዚከኣል መጠን ነቲ ኣብ ገዛውቲ ዘሎ ብዝሒ ሰብ ንምቕናስ ይጽዕር ከም ዘሎ ትሕብር። ንሳ ወሲኻ እዚ ክፍሊ  ነቶም ልዕሊ 70 ዕድመ ዘለዎም ኣረጋውያን ቀዳምነት ንህብ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ይኹንምበር፡ ቤትጽሕፈት ሚግረሽን ነቶም ምልክት ኮሮና ዘይብሎም ጥራይ ኣብ ምውጋን ጸቒጡ ይሰርሕ ምህላዊ ሓቢራ። ሓደ ሰብ ምልክት ኮሮና ምስ ዚህሉዎ ኣብቲ መቐመጢኡ ተወሺቡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ኪንቀሳቐስ የብሉንኣካየድቲ ሚግረሽን ነቲ ንነፍስወከፍ ናይ ጕዕዞ ሕቶ ዚምልከት እውን ብቑዕ መገዲ ይደልዩሉ ከምዘልዉ ትሕብር። ንሕና ናይ

ሓባር ኣውቶቡሳት ወይ ታክሲታት ኢና እንጥቀም፡ ግን ኣስጋእነት ናይቲ ጉዳይ ኣቐዲምና ኢና ነጽንዖ፡ ብምባል ፣ ኩሉ ዚግበር ድማ ኣብ ናይ ክፍሊ ጥዕና መምርሒታት ዚምርኮስ እዩ፡ ዕላማኡ ድማ ለኸፋ ንምጕዳል ምኻኑ ትገልጽ።

ኣብ ግዚኡ ዚኣክል ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብቲ ናይ ኢምግረሽን መቐበሊ ነቲ ሕማም ዚምልከት ፖስተራት ተዘርጊሖም ኣለዉ። ኣብቲ ፖስተራት ድማ ሓደ ሰብ እቲ ምልክታት ምስ ተራእዮ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎይምህር፡ ብዛዕባ ኣባይቲ እውን ተውሳኺ ሓበሬታታት ከምዘማልእ ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com