Friday , May 17 2024
Barbados' new President Sandra Mason, center right, awards Prince Charles with the Order of Freedom of Barbados during the presidential inauguration ceremony in Bridgetown, Barbados on Tuesday Nov. 30, 2021. Barbados stopped pledging allegiance to Queen Elizabeth II on Tuesday as it shed another vestige of its colonial past and became a republic for the first time in history.(AP Photo / David McD Crichlow) XRE101

ባርባዶስ: ሪፓብሊክ ኮይና

ባርባዶስ: ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ: ብወግዒ ካብ መሪሕነት ሃገር ብምእላይ ሪፓብሊክ ምዃና ኣዊጃላ። እዚ ወግዓዊ ስግግር ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ብሪጅታውን: ተጸንቢሉ’ሎ።

ኣብዚ ፍርቂ ለይቲ እተፈጸመ መበል 55 ዓመት ናጽነትን ምስግጋር ሪፓብሊክነትን: ዳም ሳንድራ ሜዘን: ፕረሲደንት ናይታ ሃገር ክትከውን ቃለ መሓላ ፈጺማ’ላ።

መስፍን ዌልስ ከምኡ’ውን ካብ ባርባዶስ እትውለድ ድምጻዊት ሪሃና ኣብቲ ጽምብል ከም እተሳተፉ ተፈሊጡ። ኣብቲ ኣጋጣሚ: መስፍን ዌልስ: ኣብ ዘስምዖ መደረ እታ ደሴት ኣዝዩ ዘሰቅቕ ግፍዒ ጊላነት ከም ዘሕለፈት ኣዘኻኺሩ።

ነዚ ወግዓዊ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ዝተጸንበለሉ እዋን: ባርባዶሳውያን ንግስነት ብሪጣንያ ናይ መወዳእታ ናይ ክብሪ ሰላምታ ድሕሪ ምሃቦም እቲ ንጉሳዊ ሰንደቕ ዕላማ ወሪዳ ብሃገራዊት ባንዴራ ባርባዶስ ከም እትትካእ ተጌራ’ላ።

ባርባዶስ ቅዋማ ክቕየር እኳ እንተገበረት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ርክባት ክቕጽል ድሌት ከም ዘለዎ ኣብቲ ጽንብል ናይ ክብሪ ዕዱም ብምዃን እተረኽበ መስፍን ቻርለስ ገሊጹ። ንሱ እዛ መዓልቲ ንባርናዶስ መበሰሪት ሓድሽ ምጅማር እያ ድሕሪ ምባሉ ብፕረሲደንት እታ ሃገር Order of Freedom Of Barbados ዝተሰምየ ናይ ክብሪ ሽልማት ተዋሂብዎ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ: ብወገና: ነታ ሃገር ሰላም፥ ብልጽግናን ብሩህ መጻኢን ከም እትምየላን ኣብ ልባ ፍሉይ ቦታ ከም ዘለዋን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ባርባዶስ: ሪፓብሊክ ክትከውን ድሌት ከም ዘለዋ ዝገለጸት ዝሓለፈ ዓመት እኳ እንተነበረ: ኣባል ሓባራዊ ሃብቲ (Commonwealth) ምዃን ከም እትቕጽል ምግላጻ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com