Friday , May 17 2024

ባይቶ ቱርክ ን ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ኣጽዲቑ

Credit: Henrik Montgomery / TT/Denes Erdos/AP/TT

ባይቶ ቱርክ ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ክትጽንበር ዘቕረበቶ ሕቶ ኣጽዲቑ። ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን ሕጂ ነቲ ውሳነ ክታሙ ከንብት ትጽቢት ይግበረሉ’ሎ። ባይቶ ሃንጋሪ ገና ኣብ ሕቶ ሽወደን ድምጺ ኣይሃበን ኣሎ። ኣባላት ባይቶ ቱርክ፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ንነዊሕ እዋን ከደናጒዮ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ሕቶ ምጽዳቓ፡ ኣብ መንገዲ ኣባልነት እታ ኖርዲካዊት ሃገር ዓብዪ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝውክል እዩ። ኣብ 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣጠቓላሊ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ሽወደን ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ክትጽንበር ሕቶ እኳ እንተቕረበት፡ ቱርክ ሽወደን ንተገንጸልቲ ኩርዳውያን ትህቦ ደገፍ ደው ክሳብ እተብል ነቲ ሕቶ ከም ዘይተጽድቕ ክትገልጽ ጸኒሓ’ላ። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ፕረዚደንት ዔርዶጋን ነቲ ሕጊ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክታሙ ከንብረሉ ጥራይ እዩ። በዚ ድማ ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ዘየጽደቐት እንኮ ኣባል ኔቶ ኮይና’ላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፥ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርህጞ ጽሑፍ ሎሚ ምሉእ ኣባል ኔቶ ንምዃን ሓደ ስጉምቲ ቀሪብና ኣለና ኢሉ’ሎ። ከምኡ ውን ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልተንበሪ ንድምጺ ቱርኪ ብሓጎስ ብምቕባል፡ ሃንጋሪ’ውን ኣስራ ብምስዓብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነዚ ሕቶ ከተጽድቖ ኣባል ሃገራት ይጽበያ ከምዘለዋ ገሊጹ። እንተኾነ ግና ሃንጋሪ ሽወደን ተጻባኢ ኣተሓሳስባ ኣለዋ ክትብል ክትከስስ ጸኒሓ’ላ። ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሃንጋሪ ዞልታን ኮቫክስ፡ ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ክፈርስ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዝፋን ሞራላዊ ልዕልና እተቐመጡ ግብዛት ክብል ምዝላፉ ዝፍለጥ እዩ። ስቶክሆልም ብወገና መንግስቲ ሃንጋሪ ኣብ ዲሞክራስያዊ መትከላት ሕብረት ኤውሮጳ ንድሕሪት ተሪፉ እዩ ክትብል ከሲሳ ነይራ እያ። ይኹን እምበር ኣብ ዝምድና እዘን ሃገራት ገለ ምልክታት ምዕባለ ተራእዩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ትማሊ ሰሉስ ንሽወደናዊ መዘንኡ ናብ ቡዳፐስት ብምዕዳም ንዝያዳ ምትእምማን ኣበርክቶ ክህልዎ ዝኽእል ዘተ ክገብሩ ምዃኖም ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም፡ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ሃንጋሪ ዝዘራረበሉ ምኽንያት ከምዘይረኣዮ እኳ እንተገለጸ፡ ክልቲአን ሃገራት ግን ዘተ ክቕጽላን ከምዝኽእላ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣባላት ባይቶ ኣባልነት ሽወደን ብ287-55 ድምጺ ብምሃብ እዮም ነኢ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ኣጽዲቖም ዘለዉ። ቱርክ፥ ሽወደን ነቲ ግብረሽበራዊ ውድብ ኢላ ሰመየቶ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን (PKK) ን ካልኦት ጉጅለታትን ኣብ ውሽጢ ሃገራ ከይንቀሳቐሱ ንምእጋድ ዝያዳ ጭቡጥ ስጒምቲ ክትወስድ ከምዘለዋ ክትሟገት ጸኒሓ’ላ። ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን እውን ን ሰልፊ ሰራሕተኛታትኩርዲስታን ፒ.ኬ.ኬ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ እየን ዝፈልጥኦ። ቱርክ ከም መጠን ሓንቲ ካብ 31 ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ሓደስቲ ሃገራት ናብቲ ጉጅለ ከይጽንበራ ናይ ምዕጋት ሓይሊ ቬቶ ኣለዋ። ከም ግብረመልሲ ናይዚ መርገጺ ቱርክ፥ ሽወደን ዝሓለፈ ሰነ ተሪር ሕግታት ጸረ-ሽበራ ብምትእትታው፥ ንጉጅለታት ግብረሽበራ ፋይናንሳዊ ወይ ሎጂስቲካዊ ሓገዝ ምሃብ ዘይሕጋዊ ገይራቶ እያ። ሽወደንን ምብራቓዊት ጎረቤታ ፊንላንድን፡ ንነዊሕ እዋን ዘካየደን ፖሊሲ ወተሃደራዊ ዘይሻራነት ክጥንጥና ዝተደረኻ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ድሕሪ ምጅማራ እዩ። ፊንላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ብወግዒ ናብ ኔቶ ዝተጸንበረት ኮይና፡ እዚ ፍጻመ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ምስ ሃገረ ሩስያ ዘለዎ ንውሓት ዶብ ብዕጽፊ ኣዕብይዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com