Thursday , May 16 2024
President Joe Biden speaks during a news conference in the East Room of the White House in Washington (AP Photo/Susan Walsh) WX203

ባይደን፡ ንወጥሪ ዩክሬይን ኣመልኪቱ፡ መልሲ ሂቡ

ቭላድሚር ፑቲን ን ዩክሬይን ክወርር እዩ ኢሉ ከም ዝሓስብ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ብዛዕባ ስግኣታት ወራር ሩስያ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ “እወ ክወርር እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ” ክብል መሊሱ’ሎ። እንተኾነ ግና ፕረዚደንት ሩስያ፡ ንሃገራት ምዕራብ ኣብ ፈተነ ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሞስኮ፡ ንዩክሬይን ናይ ምውራር ዝኾነ ውጥን ከም ዘይብላ እኳ ትገልጽ እንተኾነት፡ ኣብ ዶባት ክልቲኣተን ሃገራት፡ ገዚፍ ሰራዊት ኣንቀሳቒሳ ምህላዋ ጸብጻባት የመልክቱ። ክሳብ 100 ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ሩስያ፡ ኣብ ዶብ ዩክሬይን ዓርዱ ምህላዉ ድማ እዩ ዝግለጽ።

ሰብመዚ ዋይት ሃውስ፡ ጸኒሖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ሩስያ እንድሕሪ ዶብ ዩክሬይን ጥሒሳ ኣትያ፥ ኣመሪካ ነዚ ከም ሓድሽ ወራር ብምቚጻር ምስ መሻርኽታ ብምዃን ፈጣን፥ ጽንኲርን ሕቡርን ግብረመልሲ ንምሃብ ተዳልያ ኣላ” ኢሉ።

ሩስያ ብርክት ዝበለ ጠለባት ንኔቶ እኳ እንተቕረበት፡ እዚ ተቐባልነት ክረክብ ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ መንጎኣን ሃገራት ምዕራብን ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ምብጽሑ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com