Friday , May 17 2024

ቤልጄም፡ ንቅዱስ ቁርኣን፡ ኸቃጽሉ ዝወጠኑ ሕሉፋት ዴኒማርካውያን ካብ ሃገራ ሰጒጓ

ቅዱስ ቁርኣን ንኸቃጽሉ መደብ ዝነበሮም ሓሙሽተ ዴንማርካውያን፡ ከም ዝሰጐገትን ንሓደ ዓመት ዝኣክል ናብታ ሃገር ከይቅልቀሉ ከም ዝኣገደት ተፈሊጡ። ንሳቶም፡ ኣብቲ ማሕበረኮም ኣስላም ብብዝሒ ዝቕመጥሉ ኣብ ርእሲ ከተማ ብራስለስ ዝርከብ ኣከባቢ ነቲ ፍጻሜ ከካይዱ መዲቦም ዝነበሩ ክብል ቢቢሲ ሓቢሩ።

ብመሰረት ገጻት ፌስ ቡክ ናይዞም ሓሙሽተ ሰባት፡ ሰዓብቲ ሕሉፍ የማናዊ ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ፡ ራስሙስ ባሉዴን፡ ምዃኖም ከምተፈልጠን፡ መራሒኦም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ፈረንሳይ፡ ፓሪስ፡ ቅዱስ ቁርኣን ከቃጽል ዘለዎ መደብ ድሕሪ ምግላጹ ከም እተሰጐገ ተፈሊጡ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ሽወደን፡ ንኽልተ ዓመት ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከም ዝኸልከለቶን ብጽዩፍ መልሓሱ ኣብ ዴንማርክ ንሓደ ወርሒ ተኣሲሩ ምንባሩን ድማ ተመልኪቱ።

ንጉዳያት ሓተቲ ዑቕባ ኣብ በልጂም ዝከታተል ሚኒስተር፡ ሳሚ ማህዲ፡ ንጥፈታት ሕሉፍ የማናውያን፡ ኣመልኪቱ፡ ሓደገኛ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ስርዓትና ዘስዕብ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ፡ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ናይታ ስታራም ኮርሰ (Stram Corse (Hardline Line) እትበሃል ሰልፉ፡ ጸረ እስላማዊ ቪድዮታትን ፖስተራትን ከምዝልጥፍ ይፍለጥ። ከም መቐጸልትኡ ድማ እዞም ሰዓብቱ፡ ኣብ ሞሌንቤክ ሴንት ጂን ዝተባህለ ብብዝሒ ደቂ ሞሮኮ ዝነብርሉ ኣብ ብራስለስ ዝርከብ ኣከባቢ ቅዱስ ቁርኣን ከቃጽሉ መደብ ከም ዝነበሮም፡ ፖሊስ፡  ፈሊጡ ክትብል ናይቲ ከባቢ መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ።

ፖሊስ፡ ግቡእ ናይ ሕጊ መስርሕ ተኸቲሎም ነቶም ሓሙሽተ ሰባት ድሕሪ ምምርማሮም፡ ጉዳዮም ናብ ህዝባዊ ኣኽባሪ ሕጊ ከምዘሰጋገሮ ተፈሊጡ። ካብ ዒራቓዊት ስድራቤት ዝውለድ ሚኒስተር ማህዲ፡ በቲ ናይ ምስጓግ ውሳኔ እተሰምዖ ሓጎስ ምግላጹ ኣመልኪቱ።

እዞም ሰባት፡ ንማሕበራዊ ርግኣትናን ስርዓትናን፡ ብጣዕሚ ኣስጋእቲ ብምዃኖም ብቕጽበት ከምዝስጎጉ ኮይኑ ክብል፡ ማህዲ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com