Friday , May 17 2024

ቤትጽሕፈት ኢመግረሽን ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ናይ ዕቝባ ሕቶታት የሳልጥ።

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሽወደን ዝመጹ ደለይቲ ዕቝባ ከምዚጎደለ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ይሕበር። በዚ መስረት ሰረሕተኛታት እዚ ትካል ኣብ ንጥፈታቶም ብዙሕ ጸቕጢ ብዘይምህላዎም ስርሖም ብጽፈት ኣብ ምኽያድ ከምዝርከቡ ይገልጽ። ከምተወሳኪ እውን  ሰራሕተኛታቱ ንኻልኦት ጸቕጢ ዘለወን ትካላት ንምሕጋዝን ንምፉኻስን ድልዋት ከምዘለዉ ይሕብር።

ከም  ልሙድ  እዚ ቤት ጽሕፈት ስሙናዊ ካብ 400 ክሳዕ 450 ናይ ዕቝባ ሕቶታት ዕቑባ ይቕበል ምንባሩን ሓላፊ እዚ ክፍሊ ሚካዬል ሪበንቪክ ምስ ራድዮ ንራድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ  ። ብምኽንያት ዶባት ቅሩብ ምጉዳል እንተነብረ እዃ፣ እቲ ትንተናና ከም ዘመልክቶ መብዛሕትኦም እዞም ሕጂ ዕቑባ ዝሓቱ ዘለዉ ሰባት ግን ቅድሚ እዚ ናይ ኮሮና ቫይረስ ሓደጋ ናብ ሃገር ሽወደን ዝኣተዉ ሙኻኖም ሓቢሩ።  እብዚ ሕጂ እዋን ምስ ዝሓለፈ ብምንጽጻር ሕቶ ዕቝባ ብፍርቂ  ከምዚጎደለን ፡ እቲ ጸቕጢ ድማ ንመጻኢ ክፈኵስ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ክብል ሚካዬል ሪበንቪክ ንህልው ኩነታት እዚ ክፍሊ ይገልጾ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክፍሊ ኢመግረሽን ኩሉ ንጥፈታቱ  ብናይ ርሕቀት ኦን ላይን ይሰርሕ ብምህላዉ እዚ ነቲ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ኣብ ምቕናስ  ተርኡ ይጻወት ከምዘሎን ፣ እዚ  ቤትጽሕፈት ኣብ ምርመራን ውሳነ ምሃብን ጥራይ ከትኩር ሙዃኑን፣ ብጹፉፍ መንገዲ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሩ። እዚ ክፍሊ ኢመግረሽን ኣብዚ እዋን ኣብ ሕቶታት ዕቝባ፡ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ምርኻብ ስድራቤትን ዜግነት ኣተኪሩ ይሰርሕ ምህላው፣ ከምተወሳኺ ኣብ ገዛኻ ኴንካ ምስራሕ ነቲ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ይቕንሶ ምህላዉ እዚ ህልው ኩነታት ጉዳይ ኣብ ምስላጥ ከምዝሓገዞም ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com