ናብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ (arbetsförmedlingen) ብደለይቲ ስራሕ ዝቐርብ ዝነበረ ወርሓዊ ጸብጻብ ዝተፈላልየ ንጥፈታት ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሰነ 2020 ደው ኣቢልዎ ከምዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ክፍሊት ከምቀደሙ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ብመንግስቲ ንዝወሃብ ክፍሊት ንምርካብ ደለይቲ ስራሕ ወርሓዊ ጸብጻብ ንጥፈታቶም ከቕርቡ ይግባእ። ገለ ካብቶም ክካይዱ ዝግባእ ንጥፈታት ድማ ከም ኣክቲቪቲ ስቱድን ኡትፊክሊንግስ ጋራንቲ ዝኣመሰሉ እዮም።
እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ድማ ነቶም ብመንገዲ ደለይቲ ስራሕ ዝካየዱ ዝነበሩ ወርሓዊ ንጥፈታት ንኸይፍጸሙ ዝምሕር እዩ። ወርሓዊ ጸብጻብ ንምብጻሕ ብዝሒ በጻሕቲ ናብ ቤት ጽሕፈትና ምውሳኽ ማለት እዩ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ወግዓዊ መርበቡ ጽሒፉ። እዚ ድማ ነቲ ዕድል ምስግጋር ናይ ክሮና ቫይረስ ከዛይዶ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ቤት ጽሕፈት ዕዮ ድማ ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ምውጋድ ምልባዕ እቲ ቫይረስ እጃሙ ንኸበርክትን ብሓደ ወገን፡ እቲ ደላይ ስራሕ ድማ ጸብጻብ ብዘይ ምብጽሑ ንኸይሽገርን ብምባል ነቲ ጸብጻብ ናይ ምቕራብ መስርሕ ንግዝይኡ ከቋርጾ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝወሰነ ሓቢሩ።