Thursday , May 16 2024

ቤት ጽሕፈት ዕዮ(arbetsförmedlingen) ቤት ጽሕፈታቱ ዳግማይ ከምዝኽፈት ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ ምዕጻው ቤት ጽሕፈታቱ ከምዘቓረጸን ብተወሳክውን እተን ኣቀዲመን ዝተዓጽዋ ቤት ጽሕፈታቱ እንደገና ኪክፈታ ሙኻነን ግዜያዊ ሓላፉ ሰልፊ ሰንተር ኣንደሽ ጆንሶን ምስ ናይ ሽወደን ቴለቪስዮን svt ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ። በዚ ድማ መንግስትን መሻርክቲ ሰልፍታት ወርሒ ጥሪ ከምዝተሰማምዓሉ ኣፍሊጡ።

ከምዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣስታት 132 ቤት ጽሕፈታቱን ክዓጽውን ኣስታት 4500 ዝኮኑ ሰራሕተኛታት ከጣይስ መደብ ከምዝነበሮን፡ እዚ ድማ ብዙሕ ወቀሳታት ከምዘከተለን በዚ ድማ መንግስትን እተን መሻርክቲ ሰልፍታቱን ነዚ ውጥን ደው ከብልኦ ወይ ድማ ነቲ ጉዳይ ብዳግማይ ክርዮ ኣገዲድወንዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com