Thursday , May 16 2024
Amazon founder Jeff Bezos is about to be removed from the position of the world's second richest person (Photo by Jordan Strauss/Invision/AP) CAJS155

ቤዞስ፡ ብሰንኪ ዋጋ ብርኪታት ምውዳቁ፡ 18.4 ቢሊዮን ዶላር ይኸስር

እቲ ነቲ ብመስርሕ ኢ-ኮመርስ (e-commerce) ሰርሑ ዝሰርሕ ገዚፍ ዝኾነ ኣማዞን ዝባሃል ትካል ብምምስራት፡ ውሩይ ዝኾነ በዓል ብዙሕ ሃብቲ፡ ጀፍ ቤዞስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ዝወደቐ ዋጋ ብርኪ ናይቲ ትካል፡ 20 ቢሊዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ተፈሊጡ።

ይኩን እምበር ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ሃብታማት ንሱ ጥራሕ ንበይኑ ኣይነበረን በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝተሃስየ።

ኢሎን ማስክ፡ እቲ ናይ ዓለም ዝሃብተመ ወልቀ-ሰብ፡ 25.1 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ማለት ካብቲ ሓፈሻዊ ሃብቱ 9% ብዝኸውን መጠን ከሲሩ ማለት እዩ።

ኣብዚ ሃንደበታዊ ፍጻመታት ዘተኣናገደ ናይ ዕዳጋ ኣክስዮን ሰሙን፡ ነቲ ክሪፕቶ ኤክስቸንጅ ባይናንስ (crypto exchange Binance) ተባሂሉ ዝፍለጥ ዋኒን ዝመስረተ ዣዎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰብ 17.7 ቢልዮን ዶላር ክኸስር ከሎ ናይ ፈይስቡክ መስራቲ ማርክ ዙኬርበርግ ድማ ካብቲ ሃብቱ 10.4 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ሓደ ብሉምበርግ ቢልዮነየር ኢንዴክስ (Bloomberg Billionaire Index) ዝብሃል ትካል ኣቃሊሑ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ ውድቀት ናይ ዋጋታት ድሕሪ ምኽሳት ናይ ኮቪድ መልከፍቲ ተተሓሒዙ ተፈጢሩ ምስ ዝነበረ ክሳራታት እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ብዝምልከት ዝዋሃብ ዘሎ መብራህርሂ ድማ ምስ’ቲ እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ መጠን ናይ ዝቕባበ ስዒቡ ብባንክታት ዝግበር ዘሎ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ተተሓሒዙ ዝረአይ ዘሎ ማዕበል ናይ ስክፍታታ ዘምጾ ጸገም ከምዝኾነ ተገይሩ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ከም ብሉምበርግ እንተኾይኑ፡ ካብቶም ካብ ዓለም ዝሃፍተሙ 10 ሰባት ዘይከሰረ – ናይቲ LVMH ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ዋና ኣማሓዳሪ ፈረንሳዊ በዓል ሃፍቲ በርናርድ ኣርኖልት ጥራሕ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። እንድሕር ኣዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ከምዘለዎ ቀጺሉ፡ ኣርኖልት፡ ነቲ ብመሰረት ብሎምበርግ ደረጃ ናይ ሰብ ሓፍቲታት ብዝምልከት ኣብ ካልኣይ በርኪ ኣስፊሩዎ ዘሎ ቦታ ናይ ቤዞስ ክምንጥሎ ከምዝኽእል እዩ ትጽቢት ተገይሩ ዘሎ።

እዚ ኣብ ጸጋታት ናይዞም ሰብ ሓፍቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ዋጋ ሕንፍሽፍሽ ነቲ ኣፕል፣ ማይክሮሶፍትን ቱልሳን ኣብዚ ‘ብጸብጻብ ዘዕለቕለቐ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ሰሙን ከውጹዎ መደብ ሒዞምሉ ዘለው ናይ ዓመተ 2021 ናይ ፋይናንሻል ስተይትመንት (financial ststements) ጸብጻባት ቀዲሙ ምኻኑ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com