Friday , May 17 2024

ብመንገዲ ስዊሽ (SWISH) ዝካየድ መስርሕ ምስግጋር ገንዘብ፡ ክብረ ወሰን ሒዙ

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብመንገዲ ስዊሽ (SWISH) ዝካየደ መስርሕ ምስግጋር ገንዘብ፡ 1,098,272 ብምብጽሑ ክብረ ወሰን ምሓዙ ተፈሊጡ።

እዚ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራም፡ ስዊሽ፡ ኣብ 2012 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ዝበዝሐ መስርሕ ምስግጋር ገንዘብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ እዚ መዓልቲ ምዃኑ ኣካየድቲ ፕሮግራም ይሕብሩ። ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ልዕሊ 3 ሚልዮን ክሮን ዝኣክል ገንዘብ ተሰጋጊሩ።

እቲ ፍጻሜ፡ ታሪኻውን ዘሐጉስን እዩ። እሙናት ምንጪ ናይ መሰጋገሪ ገንዘብ ምዃንና ድማ ዘረጋግጽ እዩ ክብል ሓላፊ ክፍሊ ዕድጊ ስዊሽ ዝኾነ ፔር ኣክሮዝ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብመንገዲ ስዊሽ ዝተኻየደ መስርሕ ምስግጋር ገንዘብ ብ79% ምውሳኹ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com