Thursday , May 16 2024

ብመንገዲ ቴሌፎን ዝካየድ ናይ ምድንጋር መስርሕ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ

ብመንገዲ ቴሌፎን ዝካየዱ ናይ ምድንጋር መስርሕ፡ እናዛየዱ ይመጹ ምህላዎም ኣብ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ዝቃላሕ “ብስም ሕጊ”  “I lagens namn” ዝብል መደብ ከምዝገለጸ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ገለ ሰባት፡ ብመንገዲ ቴሌፎን ኣቢሎም ካብ ባንክ፡ በዓል መዚ መንግስቲ ወይ ድማ ካብ ኩባንያታት ኢና ንድውል ዘለና ብምባል፡ ንገለ ሰባት ናይ ገንዘብ ክፍሊት ንኸካይዱ ብምሕባር፡ ከደናግሩ ከምዝረኣዩ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2020: መጠን ገንዘባዊ ምድንጋር ክሳብ 160 ሚልዮን ክሮነር ምንባሩን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዓመተ 2021 ድማ እቲ መጠን ክሳብ 126 ሚልዮን ክሮነር በጺሑ ከምዘሎ ጸብጻባት መደብ “ብስም ሕጊ” ሓቢሩ። እቶም ነዚ ናይ ምድንጋር መስርሕ ዝፍጽሙ ዘለዉ ወገናት፡ ኣብ ጉጅላዊ ገበናትን ኣብ ሸቐጥ ዕጸ-ፋርስን ዝነጥፉ ምዃኖም መርማሪ ፖሊስ፡ ፖንታስ ክሩገር፡ ንማዕከን ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com