Friday , May 17 2024
Pontus Lundahl / TT / kod 10050

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ብሽወደን ኣቢልካ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዎ ሕብረት ናይ ምጋሽ እገዳ ተናዊሑ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ብሽወደን ኣቢልካ ናብ ሃገራት ኣውሮጳዎ ሕብረት ናይ ምጋሽ እገዳ ተናዊሑ። እዚ እገዳ ክሳብ 15 ሰነ ክቕጽል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ውሳነ ብለበዋ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ዝተመሓላለፈ ኮይኑ ለበዳን ደግሲን እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝወጸ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ግዜያዊ እገዳ ብ መጋቢት 19 ከም ዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ፥ ዜጋታት ሽወደን ካብዚ እገዳ ናጻ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ብዘይካዚ ካብዚ እገዳ ክልተ ኣገደስቲ ሕድገታት ተጌሮም ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ናይ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ዘለዎምን ዜጋታት ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኾኑን ሰባት ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ብሽውደን ክሓልፉ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ሽወደን ፍሉይን ኣገዳሲን መልእኽቲ ዘለዎም ሰባት ክኣትዉ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ። እዚ ማለት ህጹጽ ቤተሰባዊ ጒዳይ ዘለዎም ሰባትን ናይ ጥዕና ሰብ ሞያን ዝምልከት እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ እዚ እገዳ ን በዓልመዚ ፖሊስ ምውካስ ይከኣል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com