Friday , May 17 2024

ብምኽንያት በዓል ልደት፡ ኣብ ዕዳጋታት ጽቕጥቅጥ ከይበዝሕ፡ መንግስቲ፡ የጠንቅቕ

ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ልደት፡ ከም ዝሓለፉ በዓላት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሓላፍነት እዩ ክብል ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ሽወደን፡ ኢብራሂም ባይላን፡ ገሊጹ።

መልእኽተይ ሓጻር ኢያ፡ ኣብ ዕዳጋታት ዝፍጠር ጽቕጥቅጥ ክውገድ እንተዘይተኻኢሉ፡ ናብ ዕዳጋታት ምኻድ ነቋርጽ፡ ክብል፡ ባይላን፡ ከምዝገለጸ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

ሚኒስተር ባይላን፡ ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንግዲ ብምርኻብ፡ ሰባት፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት፡ ንብረት ኣብ ዝሽምትሉ ግዜ፡ ሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ንምቅላል ዘኽእሉ ኣገባባት ብዝምልከት ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ብወገኑ፡ ሰባት፡ ጽቕጥቅጥ፡ ብእኩብ ምሽማት፡ ሰዓታት እቶ እቶን ናብ ሹቓት (Mall) ምኻድ ክወግዱ ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com