Thursday , May 16 2024

ብሪጣንያዊ መጽናዕቲ፡ ኮርቲዞን ዝተባህለ መድሃኒት ንብዙሓት ብኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ሕሙማት የድሕን

ብኮርቲዞን “ዲክሳሚታሶን” ዝፍለጥ ጸረ ነኽሲ መድሃኒት፡ ንመዐገሲ ሕማም ኣለርጅን መንሽሮን ብሰፊሕ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሕማም ኮቪድ-19 ዘለዎ ጽልዋ ንምርኣይ ብእንግሊዛውያን ተመራመርቲ ተፈቲኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ከቢድ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዝነበሮም ሕሙማት ክሓውዩን ክድሕኑን ተራእዮም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ኮርቲዞን ሓደ ካብቶም ጸረ ሕማም ኮቪድ-19 ክኾኑ ይኽእሉ’ዶ ብምባል ብእንግሊዛውያን ተመራመርቲ ዝተፈተነ ንኻልእ መዓላ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ዝጸንሐ መድሃኒት እዩ። እዚ መድሃኒት ንሓደ ሲሶ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ ሞት ሓደጋ ዘንጸላልዎም ከቢድ ምልክታት ዘርኣዩን ብሓገዝ ማሽናት ዘስተንፍሱ ዝነበሩ ሕሙማት ከድሕን ከምዝኸኣለ ተመራመርቲ ይሕብሩ። ኣብዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝጀመረ ናይ መድሃኒት መጽናዕቲ፡ ኣሽሓት ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19 ዝኾኑ ሕሙማትን ገለ ካብ ሆስፒታላት ዓዲ እንግሊዝን ከምተሳተፋ ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ዋግኡ ክቡር ዘይኮነ መድሃኒት ካብ መጀምርያ ኣብ ጥቕሚ እንተ ዝውዕል ነይሩ ኣስታት 5000 እንግሊዛዊ ሂወት ምዳሓነ ይብሉ መራሕቲ ናይቲ መጽናዕቲ።

እዚ መድሃኒት ብዝሰፈሐ ምልክዕ ኣብ ልዕሊ ከበድቲ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ እንግሊዛውያን ሕሙማት ክንጥቀመሉ ክንጅምር ኢና ክብል ሚኒስተር ጥዕና ብሪጣንያ፡ ማት ሃንኮክ፡ ኣዊጁ።

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ መጽናዕታዊ ውጽኢት ናይ ኮርቲዞን እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ክብል ኣማኻሪ ሕክምናዊ ጉዳያት መንግስቲ ብሪጣንያ ዝኾነ ክሪስ ወይቲ ሓቢሩ።

ኮርቲዞን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ፈኮስቲ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ሕሙማት ጽልዋ ከምዘይብሉ ተመራመርቲ ይሕብሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com