Thursday , May 16 2024
(AP Photo/Olivier Matthys) BRU152

ኤውሮጳ . . . ናይ ተቛውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም

ፖሊስ ናይ ቤልጅዩም ናይ ማይ መዳፍዕ (water canons) ብምጥቃም ነቲ ኣብታ ርእሰ ከተማ ብራሰልስ፡ ኣንጻር ክታበት ኮቪድ፡ ዘጋጠመ ሓያል ተቓውሞ ክብትኖ ከምዝፈተነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣስታት 50,000 ዝኾኑ ሰባት ነቲ ብሰንኪ ኮቪድ ቫይረስ ኣጋጢሙ ዘሎ እገዳታት ንምቅዋም ከምዝወጹ ተፈሊጡ። እቲ ተቓውሞ ካብ ፈረንሳን ጀርመንን ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ሃገራት ተሳተፍቲ ከምዘተኣናገደ ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ሰልፈኛታት “ናጽነት” ዝብል ጭርሖ እንዳስምዑ ኣብ ጎዳናታተ ናይታ ከተማ ከምዝተራእዩ ተፈሊጡ። ብርክት ዝበሉ’ውን ንቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣሌክሳንደር ዴ ክሩ፡ ዝነቕፉ ታቤላታት ሒዞም ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ፖሊስ፡ ነቶም ክቃወሙ ዝመጹ ሰባት እቲ ተቓውሞ ስለዝተዛዘመ ካብቲ ቦታ ንኽእለዩ ንዘስመዖ መጸዋዕታ ብዘይመቕባሎም፡ ኣብቲ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ናዕቢ ከምዝተፈጥሩ ተሓቢሩ። ፖሊስ መንብዒ ጋዝን ብዓበይቲ ቱቦታት ዝውንጨፍ ማይ ብምጥቃምን ነቶም ሰልፈኛታት ክብትኑዎም ዝፈተኑ ኾይኖም፡ እቶም ሰልፈኛታት ብወገኖም ደናጉላን ተተኾስቲን ብምደርባይ ከምዝመለሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሓደ ሓደ ተቓወምቲ ድማ ነቶም ነቲ ኩነታት ዘመሓላልፉ ዝነበሩ ናይ AP ጋዜጠኛታት ከምዘጥቅዑዎም ተፈሊጡ’ሎ። ገሊኦም ካብቶም ጋዜጠኛታት መፈራርሒ ዝበጽሖም ኮይኑ፡ ሓደ ካብኣቶም ድማ ብሓዊ ከምዘፈራርህዎ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ’ውን እቶም ጋዜጠኛታት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ቪድዮ መስኣሊ ኣቕሑት ከምዝዓነወ ተፈሊጡ’ሎ።

ዛጊት ዝተኣሰሩ ይኩን ዝተጎድኡ ሰልፈኛታት ከምዘየለው እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።

ብቐዳም፡ ኣብ ብዙሕ ክፋል ኤውሮጳ ኣንጻር ናይ ኮቪድ ቀይድታት ዘቕንዑ ተቓውሞታት ከምዝተገብሩ ተፈሊጡ’ሎ። ካልኦት ቦታታት ሓዊሱ፡ ብኣሽሓት ዝቖጸሩ ኣብ ዮቶበሪን ስቶክሆልምን ዝርከቡ ሰባት ተቓውሞታት ከምዘስምዑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com