Thursday , May 16 2024
Green sea turtles (Chelonia mydas) make their way into the ocean upon their release at Kuta beach, Bali, Indonesia (AP Photo/Firdia Lisnawati) BALI104

ብርክት ዝበሉ ናይ ማይ ጎብየታት: ኣብ ባሊ: ናጽነቶም ስለዝረኸቡ ብዙሓት ሓጎሶም ይገልጹ

ኣብ ኢንዶኔዥያ: ባሊ: ኣብ እትባሃል ደሴት: 33 ጎብየታት ማይ ናብቲ ባሕሪ ተፈንዮም። እቶም ሃለዋቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዘርኢ ናይ ሓምለዋይ ባሕሪ ጎብየታት (green sea turtlesኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ሃደንቲ ብዝተገብረ ስርሒት ካብ ኢድ እቶም ሃደንቲ ዝተናገፉ ከም ዝኾኑ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዞም ጎብየታት፡ ኩታ: ኣብ ዝባሃል ገምገም ባሕሪ ክፍነው ከለው: ብዙሓት ቱሪስትታት ፊልም እንዳሰኣሉ ሓጎሶም ከምዝገለጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ብወገን እቶም ብዛዕባ እዚ ጉዳያት ዝምልከቶም ሰብ መዚ፡ እቶም ጎብየታት ድሕሪ ደጊም ክራብሑ እዮም ዝብል ተስፋ ተገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣሃዝ ናይዞም ሓምለዋይ ባሕሪ ጎብየታት (green sea turtles) ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ሃደንን ሰኣን ጥጡሕ ናይ መራብሒ ቦታታትን እንዳነከየ ከምዝመጸ ተፈሊጡ’ሎ። ካልኦት ብዙሓት ድማ ብመርበባት ናይ መግፈፊ ዓሳ ተሓላሊኾምን ተረፍ መረፍ ናይ ፕላስቲክ እንዳወሓጡን ከምዝሞቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com