Wednesday , May 15 2024
System analysts are one of the professions where the shortage is greatest over the next five years, dagens Industri writes. Foto: Magnus Hjalmarson Neideman / SvD / TT / Kod: 10078 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) och Expressen **

ብርክት ዝበላ ኩባንያታት፡ ብሕጽረት ክኢላዊ ዓቕሚ ይሳቐያ

ካብተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኩባንያታት፡ እተን 78%፡ ብሕጽረት ብቕዓት ዘለዎም ክኢላዊ ዓቕሚ ይሳቐያ ምህላወን ኮንፈደረሽን ማሕበር ኣስራሕቲ ሽወደን ኣብ ልዕሊ 4400 ኩባንያታት ዘካየዶ መጽናዕታዊ ዳህሳስ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳገንስ ኢንዱስትሪ ንዝጸሓፎ ጸብጻብ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ መስርሕ ንግዳዊ ምዕባለ ዓንቃፊ ኮይኑ ዘሎ እንኮ ምኽንያት፡ እቲ ብቕዓት ዘለዎ ክኢላዊ ዓቕሚ ምቑጻር እዩ። ብርክት ዝበላ ኢንዱስትሪታት፡ ነዞም ብቕዓት ዘለዎም ኮይኖም’ሞ ክረኽበኦም ዘይከኣላ ክኢላታት፡ ብዛዕበኦም ይሓታ ምህላወን ክኢላ ቁጠባ ኖርድያ፡ ኣኒካ ዊንስዝ፡ ነታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ካብዘን ዳህሳስ ዝተገብረለን ኩባንያታት፡ 34 ዝኾና፡ ሰራሕተኛታት ክውስኻ ምዃነን ሓቢረን ኣለዋ። እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ መጠን ወሰኽ፡ እቲ ዝለዓለ ምኳኑ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com