Thursday , May 16 2024
Magdalena Andersson presents a new jobs policy, which the Social Democrats' Congress will decide on.

ብሰንኪ ሕማም ኣንደርሶን፡ እቲ ክትዕ፡ ንኻልእ እዋን ተሰጋጊሩ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሸወደን፡ ማግዳሊን ኣንደርሶን፡ ክሳብ ሕጂ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ተርእይ ከምዘላ ተፈሊጡ። እዚ ብምዃኑ ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ TV4 ንሎሚ ሰኑይ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መደብ ናይ መራሕቲ ሰልፊታት ክትዕ ተሰሪዙ ናብ ካልእ እዋን ከምዝሰጋገር ዝኾነ ክትብል ወሃቢት ቃል መንግስቲ ሽወደን፡ ዳሪና ኣቓ፡ ዝገለጸት ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

TV4፡ እቲ ናይዚ ዓመት ናይ መጀመርታ ናይ መራሕቲ ክትዕ ኣብ ተሌቪዥን ከመሓላልፍ ንሰኑይ መደብ ሒዙ ከምዝነበር ዝፍለጥ’ዩ። ይኹን እምበር ሕጂ እቲ መደብ ንኻልእ እዋን ተማሓላሊፉ ከምዘሎ TV4 ንተተ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ TV4 ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ዓቢ ናይ ፈለማ ክትዕ፡ ብሰንኪ ኩነታት መልከፍቲ ብኽልተ ሰሙን ከነናውሖ ወሲንና ኣለና። ቐዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሊን ኣንደርሶን፡ ክትሳተፍ ትኽእል ምዃናናን ዘይምዃናን ዝተፈልጠ ነገር የለን፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ብሓፈሻ ድማ ዘየተኣማምን እዩ። ተስፋ ንገብር ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኩነታት ለበዳ፡ ክመሓየሽ፡ ክትብል ዳይሬክተር መደባት ተሌቭዥን TV4፡ ቪቨካ ሃንሶን፡ ሓቢራ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓቢ ሓላፍነት ዘለዋ ኮይና፡ ንሳ ሓላፍነት ወሲዳ ክትሳተፈሉ ዘይትኽእል ክትዕ ናይ ምክያድ ዕድል ድማ እንዳተሓተ እዩ ዝመጽእ ዘሎ” ትብል ሃንሶን።

እቲ ብመንገዲ መሳኹቲ ተሌቪዥን ክመሓላለፍ ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ክትዕ መደብ፡ ንየካቲት 7፡ ተመሓላሊፉ ከምዘሎ፡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቐዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ነቲ ኣብ የካቲት 7 ዝካየድ ክትዕ ክትርከብ ሙሉእ ተስፋ ኣለዋ” ክትብል እታ ወሃቢት ቃል ገሊጻ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት 14፡ ማግዳሊን ኣንደርሶን ኣብ ዝተገብረላ መርመራ፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፈት ዝዝከር’ዩ። 2 ማዓልታት ኣቐድም ኣቢላ፡ ኣብ ባይቶ ሽወደን ዝተኻየደ ናይ መራሕቲ ሰልፊታት ክትዕ ተሳቲፋ ከምዝነበረት’ውን ዝዝከር’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com