Monday , May 20 2024
Credit: Tove Eriksson/TT

ብሰንኪ ምድንጓይ በረራታት ዝፍጠር ናይ ካሕሳ ክርክር ይዛይድ።

ምስ ምድንጓይ በረራታት ዝተኣሳሰር ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየራትን ተጠቀምትን ዝኽሰት ክርክራት ካሕሳ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን
እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ናብ ደረጃ ቅድሚ ለበዳ ይቐርብ ከምዘሎን፥ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን
ሓቢራ። ኣብዚ ዓመት፡ ንጒዳይ መዕርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም ኣርላንዳ ዝከታተል ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ኣቱንዳ፡ ን ካሕሳ ዝተደናጐየ
በረራታት ዝምልከት ኣስታት 1400 ጉዳያት በጺሕዎ’ሎ። እዚ ኣሃዝ ካብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት፥ ጸዓትን ግዜን ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ክንዲ ኣብ ገበናዊ ጉዳያትን መስርሕ ምእላይ ህጻናትን ዝሃልኽ
ኣብዚ ንኽጠፍእ ይገብር ኣሎ ክብል ጠበቓ ኣንደርሽ ደርቦርግ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

 

Credit: Tove Eriksson/TT

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com