Thursday , May 16 2024

ብሰንኪ ኣገባብ ኣሰራርሓ፡ መንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ (SAS) መቕጻዕቲ የንጸላልዋ!!

ሽወደናዊ ናይ ንግዲ በዓል መዚ (Swedish Business Environment Authority) ንመንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ ኣጋጢምዋ ዘሎ ድኽመት ኣገባብ ኣሰራርሓ እንተዘይኣማሓይሻ ከምኡ ድማ ንዘጋጥሙ ጸገማት ኣብ ግዝይኡ እንተ ዘይኣለልያ መቕጻዕቲ ክብየነላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ዘጋጥሙ ጸገማት ንምልላይ መንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ ከም ተወሳኺ ኣብ ናይ ደገ ምንጭታትን ዓቕምን ክትሙርከስ ከምዘለዋ፡ እቲ በዓል መዚ ጠሊቡ።

እዛ መንገዲ ኣየር’ዚኣ ንፈለማ ግዝየኣ ኣይኮነትን ትውቀስ ዘላ። ሽወደናዊ ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ኣከባቢ (European Economic Area EEA) ኣብ ታሕሳስ 2017 ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ ቁጽጽር ጌሩ ኔይሩ። ኣብ ኣገባብ ኣሰራርሓ ናይቲ ካምፓኒ ብርክት ዝበሉ ጉድለታት ከም ዝረኸበ ድማ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመታት ድማ፡ መስከረም 2019፡ መንገዲ ኣየር ስካንድናቭያ ነቲ ዝነበራ ጉድለታት ከምዘይኣረመቶ (TRA) ሓቢሩ።

እዚ ድማ ምስቲ ተሌቪዥን ሽወደን ብዛዕባ ሓደ ኣባል እቲ ልሙድ ናይ ድሕነት መምርሒታት ተኸቲሉ እንከሎ እታ መንገዲ ኣየር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ስራሕ ኣባሪራቶ ዝብል ሓበሬታ ዘመሓላለፈትሉ እዋን ኣጋጢሙ ይርከብ። እዚ ዘጋጠመ ተርእዮ ዘይሕጋዊ ምብራር ሰራሕተኛ ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ኣብቲ ካምፓኒ ብገለ ገለ ሓለፍቲ ዝፍጠር ሰራሕተኛታት ናይ ምፍርራህ ባህሊ እዩ ከብሉ ብዙሓት ምንጭታት ይዛረቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com