Wednesday , May 15 2024
Malcolm X speaks at a news conference in the Hotel Theresa, in New York, May 21,1964. (AP Photo, File) RDNY307

ብቅትለት ማልኮም ኤክስ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተፈረዱ ክልተ ሰባት፡ ካብ ገበኖም ነጻ ተባሂሎም

ቅትለት ናይቲ ውሩይ ተጣባቓይ ሲቪላዊ መሰላት፡ ማልኮም ኤክስ፡ ልዕሊ 50 ዓመታት ኣቑጺሩ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ብቕለቱ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተፈርዱ ክልተ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ኣስላም፡ ነቲ ገበን ከምዘይፈጸምዎን፡ ካብቲ ገበን ነጻ ምዃኖምን ቤት ፍርዲ ማንሃታን፡ ኒው ዮርክ፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቶም መሓመድ ዓዚዝን ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞተ ኸሊል ኢስላምን ዝተባህሉ ክልተ ሰባት፡ ነቲ ፍጻሜ ከምዘይወዓልዎን፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ እቶም ዝምልከቶም መንግስታውያን ትካላት፡ መርትዖታት ሓቢኦም ከምዝነበሩ፡ ሓደስቲ መርመራታት ሓቢሮም።

እዚ ናብዚ ቤት ፍርዲ ንኽንመጽእ፡ ጠንቂ ዝኾነ ኣጋጣሚ፡ ብመሰረቱ ክፍጸም ዘይነበሮ እዩ ክብል፡ ሕጂ ወዲ 83 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ዓዚዝ፡ ገሊጹ።

ማልኮም ኤክስ፡ ኣብ ዓመተ 1965 ኣብ ማንሃታን፡ መደረ እናኣስመዐ እንከሎ እዩ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተሃሪሙ ዝሞተ። ነቲ ጉዳይ ፈጺመዮ ኢሉ ዝማጎት ዝነበረ ሳልሳይ ሰብ ከምዝነበረን፡ ዓዚዝን ኢስላምን ግን ነቲ ጉበን ከምዘይፈጸምዎ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com