Friday , May 17 2024

ብናይ ውልቂ ነፋሪት መጺኦም፡ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት

ብዓርቢ ዕለት 9/10/2020 ሓንቲ ናይ ውልቂ ነፋሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሙዩኒክ ዓሊባ። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብዙሓትን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጻ ነፈርቲ ከምዘአንግን ንቡር እኳ እንተኾነ፡ ናይዛ ነፋሪት’ዚኣ ዛንታ ግን ፍልይ ዝበለ እዩ። እዛ ነፋሪት፡ ኣርባዕተ ኣባላት ናይ ሓደ ዒራቓዊት ዲፕሎማሰኛ ስድራ ቤት ሒዛ እያ ዓሊባ። እታ ስድራቤት፡ ብወዲ 49 ዓመት ኣቦ፡ ጓል 44 ዓመት ኣደ፡ ወዲ 12 ዓመት ውሉድን ጓል 7 ዓመት ውላድን ዝቖመት እያ።

“ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ’ስ የለን” ከምዝበሃል፡ ኣብ ኤርፖርት ዝርከቡ ኣባላት ጸጥታ፡ እቲ ንቡር ስርሖም ክፍጽሙ ነታ ስድራ ቤት ከዘራርቡ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን፡ እቲ ዲፕሎማሰኛ ዝበሃል ኣቦ፡ ብጀካ ዓረብኛ ካልእ ቛንቛ ክዛረብ ስለዘይክእል፡ ብምልክት ኣእዳውን ኣእጋርን ጌሩ ክረዳዳእ ፈቲኑ። እቲ ኩነታት ዘጠራጠሮም ኣባላት ጸጥታ፡ ንወረቓቕቲ ናይታ ስድራ ቤት ብዑምቀት ምስ መርመረዎ፡ ዝተተምየነ ምዃኑ ኣረጋገጹ። ብድሕሪኡ፡ እታ ስድራቤት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምትኣቱ ኮይኑ።

እቶም ኣባላት ጸጥታ፡ መልሲ ናይ ሕቶታቶም ካብ ዘይተጸበይዎ ክሰምዑ ጀመሩ፡ ካብቲ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ። እታ ስድራ ቤት፡ ዒራቓዊት ስድራ ቤት ምዃናን ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣባሓጎኡ (ወላዲ ኣዲኡ) ብጣዕሚ ሃይማኖታዊ ኣኽራሪ ስለዝነበረ፡ ንወላዲቱን ንሓፍቱን ብሓንሳብ ከኸንሽበን ደልዩ። እንተኾነ ወላዲኡ፡ ነቲ ኣባሓጉኡ ዝወጠኖ መደብ ብትሪ ከምተቛወሞን ከምሳዕቤኑ ድማ ኣባሓጎኡ፡ ከፈራርሆም ምጅማሩ እቲ ቆልዓ ሓቢሩ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ሰሜን ዒራቕ ዝነበሮ ገዝኡ፡ ጀርዲኑን ቤት ምግቡን ሸይጡ፡ እቲ ኣቦ፡ ስድርኡ ሒዙ ናብ ቱርኪ ከምዝተሰደደን። ኣብ ቱርኪ ድማ ኣስታት 60 ሽሕ ዩሮ ንኣስገርቲ ከፊሉ፡ በዛ ነፋሪት ከም ዲፕሎማሰኛ ኮይኑ ካብ ቱርኪ ከምዝወጽእን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሙዩኒኽ ከምዝወርድን ኮይኑ።

ሰበ ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ፡ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባ፡ ንቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ስለዝምልከት፡ ነታ ስድራ ቤት ናብኡ ኣሰጋጊሮማ ኣለዉ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com