Friday , May 17 2024

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት፡ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ንምግባር፡ ክጽበዩ ይግደዱ

ቆጸራ ናይቶም ሕክምናዊ መጥባሕቲ ንምግባር ዝዳለዉ ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህጻናት፡ ብሰንኪ ንዓበይቲ ሰባት ቀዳምነታት ምሃብ፡ ከምዝተሰጋገረ ኣብ ዮቶቦሪ ዝርከብ ሆስፒታል ዶርትኒን ሲልቭያ (Drottning Silvia) ሓቢሩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየዱ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 360 ከምዝጎደለን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ መጥባሕቲ ከምዘይተኻየደን ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

መስርዕ ናይ ቆጸራታት ከነጻፍፍ ጀሚርና ኣለና። ቀዳም መዓልቲ ከይተረፈ ውን መጥባሕቲ ከነካይድ ተስፋ ንገብር ክትብል ሓላፊት ስርሒታት ጨንፈር መጥባሕቲ፡ ኬት ኣብርሃምሶን ሓቢራ።

ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ቆጸራታት ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክሰጋገሩ ከምዝጸንሑን ከምሳዕቤኑ ድማ ምድርራብ ቆጸራታት ከጋጥም ከምዝኸኣለ ጸብጻባት ዝተፈላለዩ ማዕከናት ክሕብሩ ምጽንሖም ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com