Friday , May 17 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ብኦንላይን ዝካየድ ምዝገባ ንስራሕ ኤጀንሲ ስደተኛታት ከቃልል እዩ ተባሂሉ። 

ብመሰረት እቲ ዩክሬናውያን ኣብ መላእ ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት መሰል ስደተኛ ክረኽቡ ዝብል ኣውሮጵዊ ሕብረት ዘውጽኦ መምርሒ ብዓርቢ ልዕሊ 14,000 ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ግዜያዊ ሓለዋ ምሕታቶም ተገሊጹ። ኣንተኾነ ግና ሰራሕተኛታት ጒዳይ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ጻዕቂ ስለ ዘለዎም ኣብ ገሊኡ ቤት ጽሕፈት እዚ ኤጀንሲ እቶም ስደተኛታት ጸኒሖም ክመጹ ከም እተነግሮም እውን ተገኢጹ። እዚ እናኾነ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ዘሎ ሓድሽ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ነዚ ጸቕጢ ስራሕ ኤጀንሲ ስደተኛታት ከፋዂሶ ከም ዝኽእል ልዕሊ ዝኾነ ድማ ነቶም ነዊሕ መስርዕ ሒዞም ኣብ ምምዝጋብ ዝርከቡ ዩክሬናውያን ዓብዪ እፎይታ ክኸውን ከም ዝኽእል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።.

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com