Thursday , May 16 2024
(Delcia Lopez/The Monitor via AP) TXMCA307

ብኮቪድ ንዝተለኽፈ ወዳ: ኣብ ድሕሪ መኪና ትዓጽዎ

ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃሪስ – ቴክሳስ (Harris County, Texasነባሪት ዝኾነት ኣሜሪካዊት ሰበይቲ፡ ብኮቪድ ንዝተለኽፈ ወዳ: ኣብ ናይ መኪናኣ መቐመጢ ኣቕሑት ዓጽያቶ ስለዝተረኽበት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከም ዝኣተወት ናይ ውሽጢ ዓዲ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። እታ ጓል 41 ዓመት ዝኾነት ብምምህርና ትማሓደር ሰበይቲ፡ ‘ህይወት እቲ ቆልዓ ንሓደጋ ብምቅላዕ’ ብዝብል ዕላዊ ክሲ ተኸሲሳ ከምዘላ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እታ ሰበይቲ: ነቲ ወዲ 13 ዓመት ዝኾነ ወዳ፡ ኣብቲ ናይ ኣቕሑት ዝቕመጠሉ ክፋል ናይቲ ማኪና ዓጽያ፡ ናብ ናይ ኮቪድ መርመራ ዝግበረሉ ቦታ ከም ዝወሰደቶ ተፈሊጡ’ሎ። ከም ጸብጻብ ናይ ዓይኒ ምስክር እንድሕር ኮይኑ፡ ካብታ መኪና ዝወጹ ዝነበሩ ጥርጣረ ዘበራብሩ ድምጽታት ድሕሪ ምስምዑ ብዝሃቦ ሓበሬታ ስዒቡ ብዝተኻየደ ፍተሻ እዩ እቲ ቆልዓ ኣብቲ ማኪና ተዳጒኑ ዝተረኽበ። እታ ኣደ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ንሳ ንባዕላ በቲ ቫይረስ ንኸይትልከፍ ስለ ዝሰግአት ነቲ ወዳ ኣብቲ ማኪና ከምዝሸጎረቶ እያ ገሊጻ።

ኣብቲ ዝነበረ ጉዕዞ፡ ኣብቲ ቖልዓ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ተፈሊጡ’ሎ። እታ ሰበይቲ ካብቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ናይ መምህርነት ስርሓ ንግዜኡ ከም ዝተኣልየት እቲ ናይ ወሽጢ ሃገር ማዕከን ዜና ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com