Thursday , May 16 2024

ብዓላት ምኽንያት ዝግበር ምጉዳል ዋጋታት ቡዙሓት ሰባት ይታለሉ ከምዘለዉ ተሓብሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብዙሓት ኩባንያታት ኣብ ትሕቲ ፡ዝሽየጥ ኣለና፡ ዝብል ኣርእስቲ ንዋጋታት ፍርያተን ከሕስረኦ ይረኣያ ኣለዋ። ይኹን እምበር እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ንዓማዊል ንምትላል ዝጥቀምሉ ስልቲ ኮይኑ ኣብ ክውንነት ግን ዋጋታት ናይ ፍርያቶም ከየሕሰሩ ከም ዝሸጡ ተፈሊጡ። ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ብምጥቃመን ብዙሕ ነቐፌታታት ካብ ዝወረደን ኩባንያታት ድማ ኢንተርስፖርት (Intersport)፡ ስፖርትስሞር (Sportamore)፡ ዩር (Ur)፡ ፐን (Penn)ን ጆሊሩምን (Jollyroom) ነይረን።

ዋጋታት ፍርያታ ከየጉደለት ንዓማዊላ ዋጋታት ከምዘጉደለት ኣምሲላ ብምትላሎም፡ ጆሊሩም መቅጻዕቲ ተበይኑላ ኣሎ። እዚ ኣሰራርሓ ዘይሕጋውን ንዓማዊል ዘቐይምን ምዃኑ ምስ ነዘን ኩባንያታት ዝምርምራ ኣካላት ዝሰርሕ፡ ፒር ማግኖሶን፡ ይዛረብ። እተን ዝተረፋ ኩባንያታት ውን ናይ መቕጻዕቲ ሓደጋ ኣንጻላልዩወን ከምዘሎ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com